ኤርትራ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን እትገብሮ ዘላ ምትእትታው፣ ረብሓ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንምሕላው’ዩ ንዝብል ክሲ ነጺጋ

Radio Erena: 05 May 2022

ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሱዳን እትገብሮ ዘላ ምትእትታው፣ ረብሓ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንምሕላው ምዃኑ ኣብ ዝተገልጸሉ ኣብ ሰሙኑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።

ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣተኲሩ ዝጽሕፍ መጽሄት ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ሕታሙ፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ ዘካዪዶ ዘሎ ስምምዓት፣ ብፍላይ ንስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሻቕሎት ፈጢሩለን ምህላዉ ብምግላጽ፣ ኤርትራ ንእትገብሮ ዘላ ምትእትታው ደጊፈን፣ ክብል ገሊጹ ኔሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ሚኒስተር ዜናኡ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ‘ኤርትራ ንዝኾነ ወገን ኣይተገልግልን፣ ዘተ ምስ ሰበስልጣን ሱዳን ከኣ ሓድሽ ኣይኮነን’ ብምባል ነቲ ክሲ ነጺጉዎ።

ከምዝፍለጥ ብዕለት 16 ሚያዝያ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ምስ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ብምርኻብ፣ ኤርትራ ‘ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ምስ ፖለቲካውያን ውድባት ብሓባር ከስርሖ ይኽእል’ዩ’ ዝበለቶ እማመ፣ ከምዘረከቦ ተገሊጹ እዩ።

ኣብ ሱዳን፣ ሕሉፍ እስላማዊ እምነት ዝኽተላ ፖለቲካውያን ውድባት ስልጣን ከይመቓርሓ ስግኣት ከምዘለወን ዝንገር ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን፣ ኣል-ቡርሃን ምስተን ውድባት ዘተ ከየካይድ ክመኽራ ጸኒሐን እየን።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ልዕሊ’ዚ ናይ ሃገራት ወሽመጥ ሻቕሎት፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ሻቕሎት ዓብዩዎ’ዩ ናብ ሱዳን ዕዙዝ ኣቓልቦ ሂቡ ዝሰርሕ ዘሎ ክብሉ እዮም ፖለቲካውያን ተንተንቲ ዝገልጹ።

ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ኢሰያስን ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሙ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐሱ ዘይከኣሉ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፣ ኣብ ሱዳን ባይታ ከይረኽቡ ዝብል ከቢድ ስግኣት፣ ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘሎ’ዮም እቶም ተንተንቲ ዘመልክቱ።

ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ብሓባር፣ እማመ ኣውጺኦም ምስ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሰርሑሉ ዘለዉ እዋን’ዩ፣ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሱ እማመ ሒዙ ዝቐርብ ዘሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0