ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከይተዛዘመ፣ ፓርላማ’ታ ሃገር ዝመርጾ ዝኾነ ሓላፊ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 05 May 2022

ዕድመ ስልጣኑ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዘብቀዐ፣ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከይተዛዘመ፣ ፓርላማ’ታ ሃገር ዝመርጾ ዝኾነ ሓላፊ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ፓርላማ ሶማል ብ14 ሚያዝያ ድሕሪ ምቛሙ፣ ቤት ጽሕፈታት ሒዞም ዘለዉ ሰበስልጣናት፣ ምጥፍፋእን ብልሽውናን ከየካዪዱ ክከታተል ጀሚሩ።

እንተኾነ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ዳይረክተር ጀነራል ናይ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን፣ ግዚያዊ ዳይረክተር በዓል መዚ ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ከምኡ’ውን ማእከል ምቁጽጻር ደረጃታት፣ ኣብቲ ዝነበሩዎ መዝነት ክቕጽሉ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተሩ ሑሴን ሮብለ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ምርድዳእ ስለዘይከኣለ ኣብታ ሃገር፣ ፖለቲካዊ ምትፍናን ከምዝሰፍን ብምግባር፣ ኣብ ጸጥታዊ ስግኣት ከምእትወድቕ ገይሩዋ እዩ።

እዚ ሓድሽ ፓርላማ ዝመዘዞም ሰበስልጣን፣ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ ተቐባልነት ረኺቦም እዮም።

ምስ ኣህጉራውያን ትካላት ዝግበር ስምምዓት እውን ደው ክብል ትእዛዝ ዘመሓላለፈ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ሚኒስተር ሃብቲ ማዕድንን ነዳድን ዓብዲራሺድ ኣሕመድ፣ ምስ ኣመሪካዊ ትካል ዕደና ‘ኮስትላይን ኤክስፕሎሬሽን’ ዝገበሮ ውዕል፣ ሰሪዙዎ ኣሎ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ፕረዚደንት ፋርማጆ ብዛዕባ’ቲ ውዕል ይፈልጥ ኔሩ እዩ ብምባል፣ ጉዳዩ ናብ ቤት ፍርዲ ከምርሕ ምድላዋት የካዪድ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0