“ኤርትራ፣ ኣብ ሜድኣ ዘርኣየቶ ትሑት ብቅዓትን ስዕረትን፣ ውጽኢት ናይቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ካብ ዞባዊ ግጥማት ምብኳራ’ዩ”

Radio Erena: 05 September 2019

ብ4 መስከረም ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም 2 ብ1 ዝተሳዕረት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ንሰሉስ 10 መስከረም ናይ መልሲ ግጥም ንምክያድ ሰንበት ናብ ናሚብያ ከተምርሕ’ያ።

ብ”ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ” እትፍለጥ ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ጥቅምቲ 2015፣ ኣብ ቦትስዋና ዘጋጠማ ህድማ መላእ ኣባላታ፣ ንሓሙሽተ ዓመታት ዞባዊ ግጥማት ከየካየደት’ያ ጸኒሓ።

ብሮቡዕ ዝተኻየደ ግጥም፣ ውጽኢት ናይቲ ንሓያሎ ዓመታት ካብ ዞባዊ ግጥማት ዝተፈልየትሉ ኩነታት ዘንጸባረቐ ምንባሩ፣ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብቀረባ ዝከታተሉ ወገናት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

14 ኣባላታ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝተጸንበሩዋ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ትሕቲ ትጽቢት ብቅዓት ኣብ ርእሲ ምርኣያ፣ ናብ ገዛእ ልዳታ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብ፣ ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ደገፍታ፣ ኣብ ኣስመራ ስታድዮም2 ብ1 ተሳዒራ።

ኤርትራዊ ሽወደናዊ ሓለቓኣ ጋንታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ናብ ዝቕጽል ዙርያ ክትሓልፍ እንተኾይና ፣ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ናሚብያ፣ ከተማ ዊንድሆክ፣ ስታዳዮም ሳም ንዮማ፣ ዝህልዋ ግጥም፣ ንናሚብያ ብውሕዱ ብ2 ጸብለልታ ሸቶ ክትርዕራ ኣለዋ።

ኣብ ኵዕሶ እግሪ ዝተሓተ ብቕዓት ዘለወን 28 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ቅድሚ’ቲ ወግዓዊ ናይ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2022 ምጅማሩ፣ ሓድሕደን ክፈታተና’ዩ ፊፋ ነቲ መደብ ሰሪዕዎ።

ኣብዚ ናይ መጻረዩ ግጥማት ዝሓለፋ 14 ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፣ ምስተን ድሮ ምድበን ዝጽበያ ዘለዋ 26 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብሓባር ኣብ 10 ጉጅለታት ተደላዲለን፣ ናብ ቀጠር ዘጓዕዘን ወግዓዊ ግጥማት ክጽበየን’ዩ።

ወግዓዊ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ መጋቢት 2020’ዩ ክጅምር።

ኤርትራ፣ ብብቕዓት ኵዕሶ እግሪ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ 55 ሃገራት ኣብ መበል 54 ክትስራዕ እንከላ፣ ብደረጃ ዓለም ኣብ መበል 202 ትርከብ።

ናሚብያ ብወገና ኣብ ኣፍሪቃ መበል 30፣ ኣብ ዓለም ድማ መበል 121 ደረጃ ሒዛ ኣላ።

ስእሊ፣- ካብ ገጻት ፌስቡክ

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Why don’t they select players from within Eritrea.