ኬንያ፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ሶማል ዘሰሓሕባ ዘሎ ጉዳይ ዋንነት ክሊ ማይ ፣ ዝመጽእ ሰሙን ዝጋባእ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር ሓቲታ

Radio Erena: 05 September 2019

መንግስቲ ኬንያ፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ሶማል ዘሰሓሕቦ ጉዳይ ዋንነት ክሊ ማይ ብዝምልከት፣ ንሰኑይ 9 መስከረም፣ ኣብ ኔዘርላንድስ፣ ከተማ ሄግ፣ ክጋባእ ተወሲኑ ዘሎ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር ሓቲቱ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ካብ 9 ክሳብ 13 መስከረም ክጋባእ ተወሲኑ ዘሎ፣ ናይ ይግባኣኒ’ዩ ጥርዓን ናይ ምስማዕ መስርሕ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር ዝሓተሉ ዘሎ ምኽንያት፣ ሓድሽ ጉጅለ ጠበቓ ንምቑጻር ተወሳኺ ግዜ ስለዘድለየ ምዃኑ፣ ክፍሊ ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኬንያን ሶማልን፣ ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ኣስታት 100 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜተር ዝግመት ክሊ ማይ ካብ ነዊሕ ክሰሓሕበን ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ ሃብታም ትሕዝቶ ነዳዲ ከምዘለዎ ዝግለጽ ክሊ ማይ፣ ንኩባንያታት ዕደና ቅድሚ ምውፋረን፣ ንዝጸንሐ ምስሕሓብ ንምጽራይ መንግስቲ ሶማል ነቲ ጉዳይ ኣብ 2014 ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከምዘብጽሖ ሰነዳት የመልክቱ።

መንግስቲ ኬንያ፣ እቲ ጉዳይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክርአ ንዘቕረቦ ጠለብ፣ መንግስቲ ሶማል ነጺግዎ’ዩ።

ኬንያን ሶማልን፣ ብሰንኪ ዋንነት ክሊ ማይ፣ ኣብ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ምስሕሓብ ይርከባ።

እቲ ምስሕሓብ፣ ብመንጎኝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ንምዝሓሉ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝተወስደ ተበግሶ ኣይተዓወተን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0