ኤርትራ፣ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብዝምልከት ተጋራጫዊ መግለጺታት ይህቡ

Radio Erena: 06 June 2021

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ጀሚሩ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፣ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጋራጫዊ መግለጺታት ይህቡ ኣለዉ።

ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ‘ተስፋ ይገብር ሓደ መዓልቲ ሰራዊት ኤርትራ ይወጽእ ይኸውን’ዩ’ ክብል ገሊጹ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፣ ኣብቲ ምስ ኣመሪካ ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ንምፍታሕ ኣማለድቲ ንልእኽ ኣለና ዝበለሉ ኣጋጣሚ፣ ብሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት፣ ውልቃዊ ርእይቶታቶም ደኣምበር ንፈደራላዊ መንግስቲ ወኪሉ ዝዛረብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ጥራይ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢሎም ሰበስልጣን ምምሕዳራት ኦሮምያ፣ ‘ድኽነትና ርእያ ዓለም ዘርያትና’ ምባሎም ኣብ ፈደራላዊ ምምሕዳራት’ታ ሃገር ከዘራርብ ጸኒሑ’ዩ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝርከብዎ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ኣብ ኢትዮጵያ ሻምናይ ወርሑ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ንኽዓርፍ፣ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ፣ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ እዩ ክብል ብተደጋጋሚ ጸቕጢ ክገብር ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0