ደንማርክ፣ ሓተቲ ዑቕባ ንምምላስ ኤርትራ ምስ እትርከበን ሃገራት ትዘራረብ ምህላዋ ተሓቢሩ

Radio Erena: 07 June 2021

መንግስቲ ደንማርክ፣ ሓተቲ ዑቕባ ነናብ ሃገሮም ንምጥራዝ ዝሓለፈ ሰሙን ውሳኔ ከምዘሕለፈ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ኣቐዲሙ ምስ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝተዘራረበ ተሓቢሩ።

ቴሌቪዥን ፍራንስ 24 ብዘቕረበቶ ሓበሬታ መሰረት፣ ሚኒስተር ጉዳያት ስደተኛታት ደንማርክ፣ ማትያስ ተስፋይ ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ምስ ሓያሎ መንግስታት ተዘራሪቡ ኣሎ።

እቲ ሚኒስተር፣ ስደተኛታት ንምምላስ ኣብ ዝብል ነጥቢ ካብ ዝተዘራረቦ መንግስታት፣ ብኣረኣእያ እዛ ዓለም ደሞክራስያውያን ዘይክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ምባሉ’ውን እታ መደበር ቴሌቪዥን ኣመልኪታ።

ገለ ካብቶም መንግስቲ ደንማርክ ኣብ ምምላስ ስደተኛታት ብምትኳር ዝተዘራረቦም መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቀዳምነት ካብ ዝተጠቕሱ ክኾኑ እንከለዉ፣ ሱዳን፣ ሶርያ፣ ግብጽን’ውን ኣብቲ ናይ ደንማርክ መደብ ተኻቲተን ከምዘለዋ ብማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንዝቐርብ ዘሎ ሓበሬታ ብምውካስ ፍራንስ 24 ኣቃሊሓ።

እቲ መንግስቲ ብዛዕባ ምምላስ ሓተቲ ዑቕባ ብዝምልከት ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኹን ካልኦት ሃገራት ዝተዋህቦ ግብረመልሲ ብዝርዝር እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ እወታዊ ከምዘይኮነ’ዩ ተገሊጹ።

ደንማርክ፣ ካብ ሊብያ ተመሊሶም፣ ኣብ ርዋንዳ፣ ግዝያዊ መጽንሒ ጋሾራ ብዛዕባ ዝርከቡ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ብዝምልከት’ውን ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ዝርርብ ኣክይዳ’ያ።

ዕላማ እቲ ዝርርብ፣ ካብ ደንማርክ ክወጹ ዝተወሰነሎም ግና ሃገራቶም ዘይተቐብልኦም ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ ርዋንዳ ብዛዕባ ክጣየስሉ ዝኽእሉ መስርሕ ንምዝታይ ምዃኑ’ዩ ተኣንፊቱ።

እታ ዶባታ ንስደተኛታት ዕጹው ክትገብር ምዃና እትገልጽ ዘላ፣ ኣብ ስካንድኒቭያ እትርከብ ኤውሮጳዊት ሃገር፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ብገምጋም ኣስታት 2500 ሓተቲ ዑቕባ ጥራይ’ያ ክትምዝግብ ጸኒሓ።

መብዛሕቶም ኣብዛ ሃገር ዑቕባ ንምሕታት ዝተመዝገቡ ስደተኛታት፣ ሶርያ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምዃኑ ጸብጻባት ክፍሊ ሰደተኛታት እታ ሃገር የመልክት።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0