ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ንፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ከተማ ጊሰን ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ንፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ከተማ ጊሰን ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 06 July 2015

Gisen

ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ጀርመን፣ ነቲ ብህግደፍ ኣብ ከተማ ጊሰን ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ኤርትራውያን፣ ኣብቲ ብቀዳም 4 ሓምለ ብፖሊስ ተዓጂቦም ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል ተኸሲስሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ደገፍቲ እቲ ስርዓት ድማ ጓይላን ዳንኬራን ምክያዶም፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ንዕቐት ዘጉልሕ’ዩ ክብሉ ጨሪሖም።

 

ባይቶ ጀርመን ኣቐዲሙ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ንሱ ፈጢርዎ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታትን ብምዝልክተ ከምዝዘተየ ብምዝኽኻር፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ተኸሲስሉ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ተበግሶታት ኣብ ክንዲ ዝወስድ፣ ሕጂ’ውን ከም ቀደሙ ኣብ ጓይላን ሳዕስዒትን ከድህብ ምምራጹ ከምዘሕንኽ’ውን ብዛዕባ’ዚ ኣብ ጊሰን ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ተወሳኺ መብርሂ ዝሃቡና ኤርትራውያን ኣረዲኦም።

ፈስቲቫል ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ጀርመን፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘንጸባርቕ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዓቢ ኣተኩሮ ረኺብሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

መርማሪት ኮሚሽን፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሓይሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኽሰሱ ከምዝኽእሉ ድሕሪ ዘቕረበቶ ኣንፈት’ውን፣ ብዛዕባ’ዚ ተወሳኺ ምጽራይ ንምቕራብ ናይ ሓደ ዓመት ተወሳኺ ዕማም ተዋሂቡ ይርከብ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0