መማህራን፣ ኣብ ናይ ክረምቲ ዕረፍቶም ናብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክወርዱ’ዮም

መማህራን፣ ኣብ ናይ ክረምቲ ዕረፍቶም ናብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክወርዱ’ዮም

Radio Erena: 06 July 2015

sawa memahran

ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ናይ ክረምቲ ዓመታዊ ዕርፍቲ ኣብ ዝወጻእሉ እዋን፣ መማህራን ናብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክወርዱ’ዮም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ መማህራን ኣብ ናይ ክረምቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ናብ ታዕሊም ክወርዱ ምውሳኑ፣ ነቲ ድሮ እናተዳኸመ ክመጽእ ዝጸንሐ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘጋድድ ምዃኒ ይግለጽ።

ብስም ህዝባዊ ሰራዊት ዝተጠርነፉ ክሳብ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦታትን ከምኡ’ውን ደቂንስትዮን ካብ ወጻኢ ዝተመልሱ ከፈልቲ ክልተ ካብ ሚእቲን ብምሉኦም ናብ ታዕሊም ክውርዱ ከምዝተገደዱ ኣይርሳዕን።

 

ኣብ ኤርትራ፣ በልማማ ዝካየድ ዘሎ ግዱድ ወትሃደራዊ ታዕሊም ዜጋታት፣ ስድራቤታት ኣብ ምብትታንን ቁጠባዊ ዓቕመን ኣብ ምርማስን ከም ኣውራ ጠንቒ’ዩ ዝጥቐስ።

ህዝቢ’ውን ነዚ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርና መንእሰያት ይኹን፣ ግዱድ ታዕሊም ወለድን ዘለዎም ዘለዎ ዘይዕጋበት ንምግላጽ፣ ናብ ታዕሊም ከይወርድ ምሕንጋድን፣ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎታት ምህዳምን ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ ናይ ተቓውሞ ምልክታት የርኢ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣስመራ ክካየድ ዝቐነየ ግፋ፣ ኣብ ካልኦት ከተማታት’ውን ይቕጽል ኣሎ።

====================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0