ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳ፣ ኣብ እዋን ምርጫ እታ ሃገር ጥንቃቐታት ክገብሩ መዘኻኸሪ ቀሪቡ

ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳ፣ ኣብ እዋን ምርጫ እታ ሃገር ጥንቃቐታት ክገብሩ መዘኻኸሪ ቀሪቡ

Radio Erena: 16 February 2016

Uga Elec

ምርጫ ኡጋንዳ ሓሙስ 18 ለካቲት 2016 ኣብ ዝካየደሉ እዋን፣ ኣብ ሃገር ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራ ኣብ ምንቕስቓሳቶም ጥንቃቐታት ክገብሩ ጻውዑት ቀሪቡ።

መስርሕ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ ኣብ 18 ለካቲት ተኻይዱ፣ ውጽኢት ድማ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ኣብ 20 ለካቲት ብወግዒ ክንገር ትጽቢት ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብ ከተማ ካምፓላን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን እታ ሃገር ምርጫ ከንቲባታት ክካየድ ስለዝኾነ፣ ብፍላይ ኣብ ካምፓላን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ማዕረ’ቲ ናይ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተመሳሳሊ ጥንቓቐታት ክግበሩ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ካብ ኡጋንዳ መልእኽቲ የመሓላልፍ።

 

ብመሰረት እቲ ብማሕበረ ኮምን ካልኦት ግዱሳት ኤርትራውያንን ዝመሃላለፍ ዘሎ ዘሎ መጠንቀቕታ፣ ክሳብ እዚ ናይ ምርጫ እዋናት ዝሓለፍ፣ ኤርትራውያን ነበርቲ ካምፓላን ከባቢኣን ዕለቱ ዘይወደቐ መንበሪ ፍቓድ ምሓዝ፣ ጥረ ገንዘብ ከም ትሕጃ ምቕማጥ፣ ህዝቢ ብብዝሒ ካብ ዝእከበሉ ከም ባራትን ክለባትን ዝኣመሰል ቦታታን ምርሓቕ፣ ብዙሕ ምንቕስቓስ ምውጋድ፣ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ቤት ዘይምውጻእን፣ ከም ማይን መግብን ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ነገራት ምቕራብ ከምኡ ድማ መብራሕቲ ናይ ምጥፋእ ተኽእሎ ክህሉ ስለዝኽእል ከም ጋዝን ሽምዓን ዝኣመሰለ ምቕርብን ደሃይ ሓድሕድ ንምጥይያቕን እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብን ሞባይል ድሉው ምግባር የድሊ።

ኣብዚ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ፣ ካብ 1986 ኣትሒዙ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ዩዌሩ ሙሴቬኒ ደጊሙ ክዕወት ከምዝኽእል ብኣግኡ ይግለጽ ኣሎ።

ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር ከኣ፣ እቲ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ’ውን ብዓመጽን ምድንጋርን ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ይሕልውን ምህላዉ ይኸሱ።

============================= 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0