ኣብ ግብጺ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ዋዕላ ወፍሪ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ጸጥታዊ ምኽንያት ተሰሪዙ

ኣብ ግብጺ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ዋዕላ ወፍሪ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ጸጥታዊ ምኽንያት ተሰሪዙ

Radio Erena: 17 February 2016

EgER

ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ሸርምሸኽ ን20 ለካቲት ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ዋዕላ ወፍሪ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ጸጥታዊ ምኽንያት ከምዝተሰረዘ ተገሊጹ።

እቲ ብውሕዱ 21 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ 90 ሚኒስተራትን ኣስታት 800 ወነንቲን ኣካየድትን ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ክሳተፍዎ ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ዋዕላ፣ ኣውፈርቲ ኣብቲ ዋዕላ ዝነበሮም ተገዳስነት ስለዘጥፍኡ፣ ክስረዝ ከምዝተገደደ ቁጠባዊ ዋዕላ ዓለም እኳ እንተጠቀስ፣ እቲ ኣውራ ምኽንያት ግና ጸጥታ ምዃኑ’ዩ ዝንግረ ዘሎ።

ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብ ግብጺ ብዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ፣ ኣብ ግብጺ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ንኣውፈርቲ ከምዘሻቐሎም ብምርግጋጽ፣ ምስራዝ ናይቲ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ተወጢኑ ዝነበረ ዋዕላ’ውን ምስኡ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ኣረዲኦም።

 

ኣብዚ ቀዳም 20 ለካቲት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ዋዕላ ክሳተፉ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ካብ ዝነበሩ መራሕቲ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይክለማርያም ደሳለኝ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ይርከብዎም።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ንኽሳተፍ ዕድመ ከምዘቕረበሉ ኣብ 19 ጥትሪ ብሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ከምዘይሳተፍን ኣብ ክንድኡ ድማ ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ ክሰድድን ተኽእሎ ምህላዉ ትንታነ ምቕራቡ ይዝከር።

ዋዕላ ሻርም ሸኽ ድሕሪ ምስራዙ’ውን፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ናይ ግብጺ ዑደቱ ከምዘይሰረዘን፣ ኣብ ክንድኡ ከኣ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተላእከ ደብዳብ ናብ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ከምዘረከብን’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብቲ ብሰኑይ 15 ለካቲት ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ ርክብ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራን ፕረዚደንት ኣልሲሲን ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝተላዕሉ ነጥብታት፣ ኣብ የመን ዘሎ ጸጥታዊ፣ ፖለቲካውን ወትሃደራውይን ምዕባለታት፣ ወሓዚ ኣባይን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን በጺሕዎ ዘሎ መድረኽን ይርከቦ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0