ኤርትራን ሩስያን ተወሳኺ ዝርርብ ኣካይደን

ኤርትራን ሩስያን ተወሳኺ ዝርርብ ኣካይደን

Radio Erena : 06 February 2015

Rusere

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን፣ ፍሉይ ወኪል ኣብ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ሚካኤል ቦግዳኖቭ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሩስያ ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይን ኣብ ጉዳይ ዝምድናን ክልትኤን ሃገራትን ጉዳያት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከምዝተዘራረቡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ብ4 ለካቲት ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝተዘርግሐ መግለጺ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተዘይብሉ፣ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ንወፍሪ ዕደናን ጸዓትን ሩስያ ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ተወሳኺ ዝርርብ ንምክያድ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

 

ሚኒትስር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝመርሖ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ሩስያ ክልተ እዋን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ከምዝተዘራረበ ኣይርሳዕን።

ጠመተ ሩስያ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናሓየለ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ ግዜ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ብወገኑ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያ ዑደት ምክያዱ ይዝከር።

ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዕደናዊ ልዑል ንጥፈታት ዝርከባ ኮይነን፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ምስ ሓያሎ ሃገራት ዘካይድኦ ዘለዋ ኣብ ዕደና ዘተኮረ ስምምዓት፣ ሩስያ ካብ እትርከበን ሃገራት ኣጽዋር ንምሽማት’ውን ላዕልን ታሕትን ክብላ ከምዝርኣያ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0