ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን 13 ሃገራት፣ ንሚኒስትሪ ጥዕና ዝመርሓ ዘለዋ ደቂንስትዮ’የን

Radio Erena: 16 April 2020

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ምምካት ተጸሚዳ ኣብ ዘላ ኣህጉርና ኣፍሪቃ፣ ንኤርትራ ሓዊስካ፣ ኣብ 13 ሃገራት ንሚኒስትሪ ጥዕና ዝመርሓ ዘለዋ ደቂንስትዮ ምዃነን ተገሊጹ።

ካብ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብተን 13፣ ሚኒስትሪታት ጥዕና ብደቂንስትዮ ዝምራሕ ምስ ምዃኑ፣ እዛ ምስ ወሊድን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ከም ምኽንሻብ ዝኣመሰለ ጎዳኢ ልምድታትን ክስዕብ ዝጸንሐ መጠነ ሞት ኣዴታትን ንምንካዩ፣ ኣብ ጥዕና ኣዴታት ዘድሃበት’ያ ትመስል።

እንተኾነ ዘለናዮ እዋን ቀዳምነት ንመኸተ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ቫይረስ ኣብ መላእ ኣህጉር ኣፍርቃ፣ ኣስታት 16 ሽሕ ሰባት ለኺፉ፣ ናይ ልዕሊ 800 ሰባት ህይወት ድማ ቀዚፉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ሚኒስተራት ጥዕና እዘን ሃገራት ዕለታዊ መብርሂታት ኣብ ምሃብን ህዝቢ ኣብ ምሕያልን ተጸሚዶም’ዮም ዝርከቡ።

ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ሚኒስተራት ጥዕና ጥራይ ዘይኮነ መራሕቲ ሃገራት’ውን ብተደጋጋሚ ብማዕከናት ዜና ናብ ህዝቢ እናቐረቡ፣ ኣብዚ በዳሂ እዋን ለበዳን ድሕሪኡን ዝህሉ ሃገራዊ መደባት ኣብ ምዝርዛር’ዮም ዝርከቡ።

ብኣንጻር እዚ፣ ዛጊት 35 ሰባት ኮረና ቫይረስ ከምዝተረኽቦም መዝጊባ ኣብ ዘላ ኤርትራ፣ ናይ ውሸባ እዋንን ካልእ ድንጋጌታትን ኣዊጃ እኳ እንተላ፣ ሚኒስተር ጥዕና ወ/ሮ ኣምና ኑርሑሰን ትኹን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዛጊት ናብ ህዝቢ ኣይቀረቡን።

ኣብዚ ህዝቢ ዓለምና ከቢድ ሻቕሎት ኣሕዲርሉ ዘሎ ናይ ለበዳ እዋን፣ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ናብ ህዝቢ ዘይቀረቡ፣ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ጥራይ’ዮም።

ብደቂንስትዮ ዝምራሕ ሚኒስትሪታት ጥዕና ዘለወን 13 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ኡጋንዳ፣ ታንዛንያ፣ ግብጺ፣ ኣንጎላ፣ ሪፖብሊካዊት ኮንጎ፣ ጊኒ ቢሳው፣ ቡርኪናፋሶ፣ ሞዛምቢክ፣ ላይበርያን ኤስዋቲኒ (ወይ ስዋዚላንድ) ‘የን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0