ኣብ መዓስከር ሕጻጽ ዝርከቡ ልዕሊ 13 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መወዳእታ’ዚ ወርሒ ክግዕዙ ክጅምሩ’ዮም

Radio Erena: 16 April 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ፣ መዓስከር ሕጻጽ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብተን ካልኦት መዓስከራት ንምብታኖም ዝግብር ዘሎ ምንቅስቓስ ንለበዳ ኮረና ቫይረስ ከየቃልዖም ዘስግእ ምዃኑ ንሓንቲ በዓልቲ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ኣግለግሎት ዜና ፈረንሳ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንመዓስከር ሕጻጽ ክዓጽዎ ምዃኑ ንላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣፍሊጥዎ እኳ እንተኾነ፣ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዝተራእየ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ግና ዛጊት ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።

ኣብ መዓስከር ሕጻጽ ዝርከቡ ልዕሊ 13 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብተን ድሮ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ስደተኛታት ሒዘን ዘለዋ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ሰለስተ መዓስከራት ንምብታኖም ይስርሓሉ ከምዘሎ ክቃላሕ ቀንዩ’ዩ።

እቲ መደብ ዛጊት ግብራዊ ክኸውን እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ካልእ ናይ ምግዓዝ መስርሕ ክጅምር ምዃኑ ከምዘሎ ምክትል ዳይረክተር ትካል ስደተኛታትንን ተመለስትን ኢትዮጵያ (ARRA) ኣቶ ኢዮብ ኣወቐ ነቲ ኣገልግሎት ዜና ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ፣ እቲ ናይ ምግዓዝ መስርሕ ብቡዙሕ ቁጽሪ ክጅርም ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ኣብ ኢትይጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ጥራይ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ’ዩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዘነጽር።

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ፋሕ ምስ ዝበሉ ተደሚሩ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ናብ 170 ሽሕ ከምዝግምገም ጸብጻብ ወኪል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ ይጠቕስ።

ኣስታት ፍርቂ ካብዚኣቶም፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ርክብ፣ ኣብዚ ኣስታት ክልተ ዓመታት ዝሰገሩ’ዮም።

መንስግቲ ኢትዮጵያ ንመዓስከር ሕጻጽ ክዓጽዎ ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ካብ UNHCR ዝርከብ ዝነበረ ምወላ ምጉዳሉ ሓደ ካብ ጠንቕታት ምዃኑ ምክትል ዳይረክተር ARRA ኣቶ ኢዮብ ይጠቕስ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከባ መዓስከራት ዳግመ ስርርዕ ክካየደለን ሓጋዚ ምዃኑ’ዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣምን።

UNHCR ንኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ምወላ ብ14% ከምዝጎደለ ዘረጋገጸት ወኪል እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣን ኤንኮንትር፣ እዚ ግና መዓስከር ሕጻጽ ንምዕጻው ብቁዕ ምኽንያት ከምዘይኮነ ኣረዲኣ።

ኣብ ትግራይ ዝርከባ መዓስከራት ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ስደተኛታት ዝሓዛ ምስ ምዃነን፣ እኹል ናይ ማይ፣ ንጽህናን መጽለሊን ኣገልግሎታት ንምርካብ ከጸግም ከምዝኽእል ዘመልከተት እታ ወኪል፣ ነዞም ኣብ ሕጻጽ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብዚኣተን ምግዓዞም ንለበዳ ንኮረና ቫይረስ ከቃልዖም ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ።

ኣብ መዓስከር ሕጻጽ፣ ብዘይኣላዩ ዝመጹ 1600 ኤርትራውያን ቆልዑ ከምዘለው UNHCR ይሕብር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ንዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ንምዕጻው ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፣ ናይ ምወላን ካልእን ዘይኮነ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ’ዮም ሓያሎ ወገናት ትንታነታቶም ዝህብሉ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0