“ኣፍሪቃ፣ ናይ መራሕቲ ምቅይያር እንተዘይኮኑ ኣብ ኩነታተን ዝተለወጠ ነገረ የለን”

Radio Erena: 21 August 2020

ኣብዘን ዝሓለስ ሰለስተ ዓመታት፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መራሕቲ ምቅይያር እኳ እንተተራእየ፣ ኣብ ኩነታት እተን ሃገራትን ግና ዝተለወጠ ነገረ ከምዘየለ ማዕከን ዜና መይል ኤንድ ጋርድያን ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ ትንታነ ኣመልኪቱ።

ካብ 2017 ኣትሒዙ፣ ኣብ ኣንጎላ፣ ዚምባብዌ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናይ መራሕቲ ምቅይያር ከምዝተራእየ ዘመልከተ እቲ ትንታነ፣ ኣብ ኩነታት እዘን ሃገራት ግና ዝመጸ ለውጢ ከምዘየለ ከም ኣብነት ዘርዚሩ።

ብፍላይ ኣብ ዚምባብዌን ኢትዮጵያን፣ ምስ ምቕይያር መራሕተን፣ እተን ሃገራት ናብ ዝሓሸ ጎደና ደሞክራሲ ክስጉማ’የን ዝብል ትጽቢት እኳ እንተነበረ፣ ዝርአ ዘሎ ኩነታት ግና ብኣንጻሩ’ዩ።

ኣብ ዚምባብዌ ን37 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሮበርት ሙጋበ ድሕሪ ምእላዩ፣ ንዕኡ ተኪኡ ዝመጸ ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋዋ፣ ነታ ሃገር ካብ ዝነበረቶ ፖለቲካውን ቁጠባውን ውድቀት ፍሕት ከብላ ከምዘይክኣለ’ዩ ዝውቀስ።

ኣብ ኢትዮጵያውያን፣ ንኣስታት 27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝነበረ ስርዓት ኢህወደግ ተኣልዩ፣ ብሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ሓድሽ ሰልፊ ብልጽግናን ደኣ ይተካእ’ምበር፣ እታ ሃገር ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ካልእ እዋን ናይ ብሄር ግጭታት ሳዕሪሩዋ፣ 10ታት ኣሽሓት ኣብ ሓደ ረፍዲ ዝእሰሩላን ኣማኢት ድማ ዝቑተልላን ናብ ምብትታን ከይተምርሕ እተስግእ ሃገር ኮይና ምህላዋ ይግለጽ’ዩ።

ብኣንጻር’ቲ  ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተራእየ ናይ መራሕቲ ምቅይያር፣ ዝኾነ ናይ ስልጣን ምስግጋርን ተስፋ ደሞክራሲን ዘይብለን ሃገራት ካብ ዝብሃላ ኤርትራ፣ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ርዋንዳን ጂቡቲ ምዃነን እቲ ማዕከን ዜና ኣገንዚቡ።

ኤርትራ ናጽነታ ካብ ዝረኸበትሉ ኣብ 1991 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፣ ን29 ዓመታት ደሞክራስያዊ ሃገራዊ ምርጫ ተኻይዱላ ዘይፈልጥ፣ ስልጣን መንግስቲ ብሓደ ሰብ ዝተባሕተን ናጻ ናይ ብሕቲ ሜድያ ዘይብላን እንኮ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ’ያ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0