ሶማል፣ ህዝቢ ንምንቛት ክሰርሕ ጸንሑ ዝተባህለ ዳይረክተር ትካል ግብረ ሰናይ ካብታ ሃገር ተሰጕጉ

Radio Erena: 21 August 2020

መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ጣልቃ ብምእታው፣ ናዕቢ ከሳውር ጸኒሑ ንዝበሎ ዳይረክተር CARE ናይ ዝተባህለ ማሕበር ግብረ ሰናይ፣ ካብታ ሃገር ክስጎግ ኣዚዙ።

ሚኒስትር ትምህርትን ባህሊን ሶማል ናብቲ ኣህጉራዊ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኣብ ዝልእኾ ደብዳቤ፣ እቲ ኢማም ዓብዱላሂ ዝተባህለ ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ሶማል ዝርከብ ጨንፈር፣ ኣብ ፖለቲካ ሶማል ኢዱ ብምእታው፣ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ንዝርከቡ ህዝብታት ንምግጫው ክሰርሕ ከምዝጸንሐ’ዩ ከሲስዎ።

እቲ ዳይረክተር፣ ክነጥፈሉ ኣብ ዝግባእ ፕሮጀክታት ምስፋሕ ትምህርቲ ዘይኮነ፣ ብኣንጻሩ ልምዓት ሶማል ይዕንቅፍ ምንባሩ’ዩ ተወቒሱ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ዘይመንግስታዊ ማሕበር CARE፣ ብዛዕባ ምስጓግ ናይቲ ኣብ ሶማል ዝነበረ ዳይረክተሩ ይኹን ብዛዕባቲ ዝቐረበሉ ክስትታት ዝሃቦ ምላሽ ኣይተፈልጠን።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0