ኣድማ ኣካይድኩም ተባሂሎም፣ ካብ ዓዲ ሃሎ ናብ ከባቢ ኣፍዓበት ተወሲዶም ዝጸንሑ፣ ኣባላት 29 ዙርያ  እንደገና ናብ ዓዲ ሃሎ ተመሊሶም

ኣድማ ኣካይድኩም ተባሂሎም፣ ካብ ዓዲ ሃሎ ናብ ከባቢ ኣፍዓበት ተወሲዶም ዝጸንሑ፣ ኣባላት 29 ዙርያ እንደገና ናብ ዓዲ ሃሎ ተመሊሶም

Radio Erena: 15 August 2018

Adi halo

ኣድማ ኣካይድኩም ተባሂሎም፣ ካብ ዓዲ ሃሎ ናብ ከባቢ ኣፍዓበት ተወሲዶም ዝጸንሑ ኣስታት 2 ሽሕ ዝኾኑ ኣባላት 29 ዙርያ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንደገና ናብ ዓዲ ሃሎ ተመሊሶም።

እቶም ኣስታት ቅድሚ ክልተ ዓመታት፣ ንምሕደራ እቲ ብስም ኮሌጅ ሕርሻ፣ ኣብ ዓድ ሃሎ ዝተኸፍተ ሓድሽ መዓስከር ዝተቓወሙ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ናብ ኣፍዓበት ተወሲዶም ኣብ ተሃድሶን ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕን ተጸሚዶም ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

ንሳቶም፣ ናብ ኣብ ዓዲ ሃሎ ኣብ ዝተወዝዕሉ፣ ሞይይያዊ ስልጥጠና ክትወስዱ ኢኹም ተባሂሎም ኣብ ሃንገራት ተታሒዞም እኳ እንተነበሩ፣ ብዘይ እኹል መግቢ፣ ማይን ጽፍፍ ምሕደራን ተደርቢና ኣሎና ብዝብል’ዮም ነቲ ኣድማ ኣለዓዒሎሞ።

እቲ ኣድማ ናብ ካልእ ከይተሰጋገረ፣ መንግስቲ ሰራዊት ብምውፋር ነቶም ኣስታት 2 ሽሕ ዝኾኑ ኣባላት ሃገራት ኣገልግሎት ናብ ኣፍዓበት ኣግዒዝዎም።

እዞም ካብ ኣፍዓበት፣ ብገደምን ባጽዕን ኮለል ኢሎም ናብ ዓዲ ሃሎ ተመሊሶም ዘለዉ ኣባላት ሃገራት ኣገልግሎት፣ ንዕረፍቲ ናብ ስድርኦም ክፋነዉ ይሓቱ እኳ እንተለዉ፣ ዝኾነ መምርሒ ኣይመጻናን ብዝብል ካብ ቦትኦም ከንይቀጻቐሱ ተኣዚዞም ኣለዉ።

ናብ ዓዲ ሃሎ ተመሊሶምሉ ዘለዉ ምኽንያት’ውን ንሞያዊ ስልጠና ምዃኑ’ዩ ዝንግረሎም ዘሎ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0