ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ግጭታት ይብእስ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ግጭታት ይብእስ

Radio Erena: 16 August 2018

diredኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ዝተጎሃሃረ ግጭታት እናበኣሰ ይመጽእ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ብዘቕረበቶ ዜና መሰረት፣ ብ12 ነሓሰ፣ ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ፣ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት 41 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ 26 ከኣ ቆሲሎም።

በቲ ካብ ክልል ሶማል ብዝተበገሱ ሓይልታት ፖሊስን ዕጡቓትን ከምዝተጎሃሃረ ዝተገልጸ ግጭት፣ ኣብ ንብረት’ውን ዕንወትን ዘረፋን ኣጋጢሙ ኣሎ።

ጠንቂ እቲ ግጭት ዛጊት ንጹር ምኽንያት ኣይተዋህቦን።

ይኹን’ምበር መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልላት ኦሮሞን ሶማልን ክርአ ዝጸንሐት ምስህሓባትን ግርጭታትን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ከባቢ ከተማ ናዝሬት ወይ ኣዳማ ኣብ ዝርከብ፣ ኣብ ግዝያዊ መዓስከረ ናይቶም ብሰንኪ ግጭታት ካብ ክልል ሶማል፣ ካብ መነባብርኦም ዝተፈናቐሉ ኢትዮጵያውያን፣ ብ13 ነሓሰ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት’ውን ብውሕዱ ሓደ ሰብ ተቐቕቲሉ፣ 10ታት ከኣ ቖሲሎም።

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ክልል ኦሮሞ ጸጥታዊ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎን ጸጸኒሑ ግርጭታት ከምዝካየድን’ውን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይጠቕሳ።

ካብ ክልል ኦሮሞን ሶማልን ወጻኢ’ውን፣ ኣብ ክልል ደቡብ፣ ዞባ ሸካ ተመሳሳሊ ናይ ጸጥታ ሓደጋተት ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ንነብርቲ እቲ ከባቢ ብምውካስ እቲ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብ ክልል ትግራይ ድማ ነተጕቲ ኣብ ትሕቲ ሓደ ድልድል ተሓቢኡ ከምዝተረኽበ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂጅጋ፣ ድሬዳዋ፣ ሻሽመኔን ካልኦት ከባቢታትን ንዝተኻየደ ሕድሕዳዊ ግጭታትን መጥቃዕታትን ሰራዊት ብምውፋር ከምዝተቖጻጸሮ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ ግዜ’ዩ፣ ኣብ ካልእ ከባቢታት ከኣ ጸጥታዊ ሓደጋታት ከምዝነተጎ ዝሕበር ዘሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ግጭታት ካብ መነባብርኦም ናይ ዝተፈናቐሉ ኢትዮጵያውያን ብዝሒ ልዕሊ 2.8 ሚልዮን ከምዝበጽሐ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ ኣፍሊጡ።

እቶም 1.2 ሚልዮን ኣብዘን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተፈናቐሉ’ዮም።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0