ኣዲስ ኣበባ፣ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ ዝከታተል ኣብያተ ጽሕፈት ካብ 3 መጋቢት ዳግም ስርሑ ከምዝጀመረ እኳ እንተተገለጸ፣ ዛጊት ዘሳለጦ ነገር የለን ተባሂሉ

Radio Erena: 14 March 2022

ብሰንኪ ‘ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው፣ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ደስኪሉ ዝጸንሐ፣ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ ዝከታተል ኣብያተ ጽሕፈት UNHCR ን RRS ብ3 መጋቢት ዳግም ስርሑ ከምዝጀመረ እኳ እንተገለጸ፣ ዛጊት ንኤርትራውያን ስደተኛታት ምክልባትን ዘየድሊ ገንዘባዊ ወጻኢ ምግባርን እንተዘይኮይኑ፣ ዘሳለጦ ነገር ከምዘየለ ንግዳያት እቲ መስርሕ ብምውካስ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ኢድኩም ቪዛ ዝሓዝኩምን ብኤሌትሮኒክልዊ መሳርሒ ብonline ተመዝጊብኩም ኣብ መስርዕ እትርከቡን፣ ብ3 መጋቢት ቅጥዕታት ክመልኡ ብዝተሓበሮም መሰረት፣ ኣህላኽን ነዊሕ ሪጋን ተጸብዮም ዝተባህልዎ ከተግብሩ እኳ እንተኸኣሉ፣ 10 መዓልቱ ሓሊፉ ዝኾነ መልሲ ከምዘይተዋህቡ’ዮም እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ገሊኦም ካብቶም ቅድሚ 10 መዓልታት ቅጥዒ ዝመልኡ፣ መልሲ ከይረኸቡ ኣብ ኢዶም ዝጸንሐ ቪዛ ወዲቑ ኣብ ከቢድ ሻቕሎትን ከልበትበትን’ዮም ዝርከቡ።

ምኽንያት ምድንጓይ ናይቲ መስርሕ ኣብ ዝሓተትሉ እዋን ድማ፣ ጉዳዮም ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ይጻረ ከምዘሎ ከምዝተነግሮም እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ኩሎም’ቶም ዝተሓተትዎ ቅጥዕታት ዘመላኡ ስደተኛታት ኤርትራ፣ ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራር ሃገራት ዝተመዝገቡን፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ሕጋዊ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዝጸንሖም’ዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ዝመዝመዙ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ዝተፈላለየ ምስምሳት እናፈጠሩ፣ ካብ ስደተኛታት ኤርትራ ጉቦን ብላዕን ምቕባል ልሙድ ተርእዮ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ማእከል እዚ ወይ command post ኢትዮጵያ፣ ነዘን ንጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ ክከታተላ ዝፈቐደለን ናይ UNHCRን RRSን ኣብያተ ጽሕፈታት፣ ገለ ኣባላተን ድሮ ኣብ ብልሽውና ተጸሚዶም፣ ካብ ኤርትራውያን ዘይተኣደነ ገንዘብ ብምሕታት ነቲ ሕጋዊ መሰሎም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምውጻእ ከሳልጥሎም ከምዝሓትዎም ምንጭታት ኤረና ኣብነታት ብምስናይ ኣቃሊዖም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዛዕባ ጉዳዮምን ጉዳይ እቶም ኣብ መዓስከራት ክልል ትግራይን ዓፈርን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ወገናቶም ብዝምልከት፣ ድምጾም ንምስማዕ ዝሓለፈ ቅንያት ዝወደብዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ውዱእ ሰዓት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተሰረዘ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንኤርትራውያን፣ ናይ ስደተኛታት መንበሪ ፍቓድ ከሐድስ ብዘይምኽኣሉ፣ ኣብ ባንክታት እታ ሃገር ዝርከብ ገንዘቦም ደስኪሉ ከምዘሎ’ውን ብምረት ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተሓለቕቲ መሰል ስደተኛታትን፣ ጉዳይ እዞም ኣብ ኢትዮጵያ ግዳያት ናይ ዘሎ ቅልውላው ኮይኖም ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝምልከት፣ ቆላሕታ ማሕበረሰብ ዓለም ክረክብ በብዝተኽእሎም ጻዕርታቶም ከሐይሉ ኮሚተ ስደተኛታት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ይጽውዑ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0