UNICEF፣ 1.7 ዶዝ ሚልዮን ክታበታት ቆልዑ ናብ ኤርትራ ኣእትዩ

Radio Erena: 14 March 2022

ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ- ዩኑሴፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ንዝተጠዑ ኤርትራውያን ህጻናት ናይ ምእላይን መሰረታዊ ክታበታት ናይ ምቕራብን ጻዕርታት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 1.7 ሚልዮን ዶዝ ክታበታት ናብ ኤርትራ ኣእትዩ።

እቲ ትካል፣ ናብ ኤርትራ ዘእተዎ ክታበታት፣ ንልዕሊ 100 ሽሕ ቆልዑ፣ ስንክልናን ሞትን ከስዕብ ካብ ዝኽእል ሓደገኛ ሕማማት ክከላኸለሎም ምዃኑ ኣፍሊጡ።

UNICEF ልክዕ ቅድሚ ሓደ ዓመት’ውን፣ ህይወት ዘድሕን’ ዝበሎ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ዶዝ ክታበታት ናብ ኤርትራ ብምእታው፣ ኣስታት 310 ሽሕ ኤርትራያን ቆልዑ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ክዓቢ ከምዝገበረ ይዝከር።

ካብ 2014 ኣትሒዙ፣ ጸረ ንፍዮ፣ ጸረ ፖልዮ፣ ጸረ ዓባይ ሰዓል፣ ጸረ ወይቦ፣ ጸረ ትኽትኽታ ካልእን ንቖልዑ ካብ ሞትን ስንክልናን ዘድሕን ክታበታት ናብ ኤርትራ ዘብጽሕ ዘሎ UNICEF፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ንዝተጠቕዑ 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ቆልዑ ናይ መግብን ቫይታሚንን ሓገዝ ይገብር ምህላዉ ይገልጽ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0