ኣዲስ ኣበባ፣ ምስ ኵናት ትግራይ ተተሓሒዙ ተዓጽየን ዝጸንሓ፣ ብተጋሩ ዝውነና ዓበይቲ ሆቴላት ይኽፈታ ምህላወን ተገሊጹ

Radio Erena: 13 April 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ድሕሪ ምእታው፣ ንህወሓት ይድግፋየን ንዝበለን 10ታት ሆቴላትን ትካላትን ንግዲን ዓጽዩወን ድሕሪ ምጽናሕ፣ ንገሊኤን ክኽፈታ ምፍቃዱ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ መርበብ ዜና፣ ካብተን ንልዕሊ 8 ኣዋርሕ ተዓጽየን ዝጸንሓ ‘ሞ ክኽፈታ ዝተወሰነለን ናይ ተጋሩ ሆቴላት፣ ኣክሱም፣ ካሌብ፣ ሃርሞኒ፣ ሆሊደይን ኣዲሲናይን ይርከብአን።

እዘን ልዕሊ 2 ሽሕ ሰራሕተኛታት ዝነበርወን ሆቴላት፣ ብሰንኪ’ቲ ብመንግስቲ ዝተወሰነለን ሃንደበታዊ ምዕጻው፣ ንኽቢድ ክሳራታት ከምዝተቓላዓ’የን ዝገልጻ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እዘን ስሙያት ሆቴላት ክኽፈታ ምውሳኑ እኳ እንተተገልጸ፣ ንተወላዶ ትግራይ ዒላማ ዝገበረ ናይ ምእሳርን ትካላቶም ናይ ምዕጻውን ስጉምታት ይቕጽሎ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ወገናት የመልክቱ።

እቲ መንግስቲ፣ ካብ ስዑዲ ዓረብ ተሰጕጎም ንዝመጹ ተወላዶ ትግራይ ንበይኖም ፈልዩ ይእስሮም ከምዘሎ ‘ውን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይወቕሱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0