ንጀነራል ኣልቡርሃን ዝጠቅስ ዜና ኣብ ቅድሚት ኣይሰራዕካዮን ዝተባህለ ዳይረክተር ራድዮን ቴሌቪዥንን ሱዳን ካብ ሓላፍነቱ ተሰጕጉ

Radio Erena: 13 April 2022

ንኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝጠቅስ ዜና፣ ኣብ ቅድሚ ኣይሰራዕካዮን ዝተባህለ፣ ዳይረክተር ራድዮ ቴሌቪዥንን ሱዳን፣ ሉግማን ኣሕመድ ካብ ሓላፍነቱ ከምዝተሰጎገ ሱዳን ትሪቡን ገሊጹ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ፣ ንመግለጺ ኣማኻሪ እቲ ጀነራል ኣብ ጉዳያት ሜድያ፣ ጣህር ኣቡ ሓጅ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ እቲ ዳይረክተር ካልኦ ዜናታት ብምቕዳም፣ ንናይ ጀነራል ኣልቡርሃን ዜና ግና ኣብ መወዳእታ ብምስሩዑ ከምዝተሰጎገ’ዩ ኣረጋጊጹ።

ኣሰራርሓ ናይቲ መንግስታዊ ትካል ሜድያ እናፈለጠ፣ ስለምንታይ ንጀነራል ኣልቡርሃን ዝጠቕስ ዜና ቅድሚ ዘይሰርዖ ዝብል ሕቶ ከምዘልዓለ ዝሓበረ እቲ ኣማኻሪ፣ ብትእዛዝ እቲ ጀነራል ካብ ስርሑ ክእለ ከምዝተወሰነ ኣረዲኡ።

ኣብ መብዛሕተን ከም ኤርትራ፣ ሱዳንን ካልኦትን ዝኣመሰላ፣ ብምልኪ ዝመሓደራ ሃገራት፣ ብመንግስቲ ኣብ ዝውነን ማዕከናት ዜና፣ መራሕቲ ዋላ’ውን ብዙሕ ኣገዳስነት ኣብ ዘይብሉ ንጥፈታት እንተተረኺቦም፣ ኣብ ቀዳማይ ዜና፣ ኣብ ጋዜጣ እንተኾይኑ ድማ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ክመጽኡ ‘ዮም ዝርኣዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0