ኣብ ፊፋ፣ ኤርትራ ምስተን ናይ መወዳእታ 5 ሃገራት ተሰሪዓ

ኣህጉራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ -ፊፋ ብ19 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ ብቕዓት ሃገራውያን ጋንታት፣ ኤርትራ ምስተን ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ሃገራት ተሰሪዓ።
    
    ጅቡቲ ብብቕዓት ተጻወታ፣ ዝተሓተ ደረጃ ሒዛ ኣብ መወዳእታ ማለት መበል 202 ክትስራዕ እንከላ፣ ኣብ መበል 196 ደረጃ ተቐሚጣ ዘላ ኤርትራ ድማ ንደቡብ ሱዳን ተኸቲላ ምስተን ሓሙሽተ ዝተሓተ ብቕዓት ኩዕሶ እግሪ ዘለወን ሃገራት ተሰሪዓ።

    ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ በታ ኣብ ደረጃ 195 ተሰሪዓ ዘላ ሶማል ተበሊጻ ምስ ዝተሓታ ሓሙሽተ ዝተመደበት፣ ኣብ ኡጋንዳ ዝተኻየደ ግጥማት ሴካፋ ዳርጋ ብምሉኦም ተጻወታ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ምትራፎም ዓቢ ጽልዋ የሕዲሩ ክኸውን ከምዝክእል ይትንተን።

    ኤርትራ ብኣህጉራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ -ፊፋ ክብረ ወሰን ሒዛትሉ ዘላ እንኮ ማዕረግ፣ ህድማ ተጻወቲ’ዩ።
    እዚ ድማ ኩዕሶ እግሪ ማዕረ ክንደይ ብፖለቲካዊ ውሳኔ መንግስቲ ተጸልዩ ከምዘሎን፣ ኤርትራ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ብቕዓት ከውርዳ ከምዝኸኣለን  ይግለጽ።

    ብመሰረት እዚ ሓዲሽ ደረጃ ብቕዓት ሃገራውያን ጋንታት፣ ብዞባ ደረጃ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተሓተ ምድብ ይርከብ።
ብደረጃ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ኣይቮሪኮስት’ውን እንተኾነት ብደረጃ ዓለም ኣብ መበል 14’ያ ተሰሪዓ።

    ምዕራብ ኤውሮጳ ድማ ኣብ ዝበለጸ ደረጃ ብቕዓት ዝርከብ ኮይኑ፣ ብደረጃ ዓለም ዝበለጸ ብቕዓት ዘለዋ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ’ያ።
ንስጳኛ ስዒበን፣ ጀርመን፣ ኣርጀንቲና፣ ኢጣልያን ኮሎምብያን ድማ እተን ሓሙሽተ ዝበለጻ ሃገራውያን ጋንታታት ዓለምና ኮይነን ተረቑሐን ኣለዋ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0