ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያን ቱርክን ኤርትራውያን ዝርከብዎም 23 ስደተኛታት ሞይቶን

ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያን ቱርክን ኤርትራውያን ዝርከብዎም 23 ስደተኛታት ሞይቶን

Radio Erena: 21 July, 2014

Af Im

ብዓርቢ 18 ሓምለ፣ ካብ 300 ክሳብ 400 ዝግምገሙ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ካብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሳ ናብ ኢጣልያ እተምርሕ ኣብ ዝነበረት ንእሽቶ ጃልባ፣ 18 ካብኣቶም ብሰንኪ’ቲ ካብ ሞቶር ናይታ ጃልባ ዝወጽእ ዝነበረ ጋዝን ጽቕጥቕጥን ትንፋስ ሓጺርዎም ከምዝሞቱ ነታ ጃልባ ዘድሓቡ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣፍሊጦም።

እቲ ሓደ ድማ ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጽሑ ከምዝሞተ ገሊጾም።

ክልተ ሰባት’ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ተሰኒፎም ኣብ ጥቓ ሞት ስለዝነበሩ መንግስቲ ኢጣልያ ብሄሊክፕተር ናብ ሲሲልያ ከታም ፓሌርሞ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣግዒዝዎም ኣሎ።

 

እታ ጃልባ፣ ኣብ ክሊ ማይ ማልታ ድሕሪ ምእታዋ፣ ሓለዋ ገምጋም ባሕሪ እታ ሃገር ብዝሃብዎ ሓበሬታ’ዩ፣ ኢጣልያ ነቶም ስደተኛታት ናይ ምድሓኖም ሓላፍነት ዝወሰደት።

ዜግነት ናይቶም ኣብታ ጃልባ ዝሞቱ 19 ሰባት ይኹን ብህይወት ዝደሓኑ ኣማኢት ስደተኛታት ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ኢጣልያ ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ 2013 ዘጋጠመ ህይወት 366 ኤርትራውያን ዘህልቐ ዘሰንብድ ሓደጋ፣ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ናይ ምድሓን ሓደጋ ተብግሶ ወሲዳ እኳ እንተላ፣ እቲ ስርሒት ዋሕዚ ስደተኛታት ኣተባቢዑሎ ካብ ዝብል ካልእ ኣማራጺ ንምውሳድ’ያ ትሰርሕ ዘላ።

ሓደ ካብቲ መደባታ ድማ ምስተን ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ኢጣልያ ዝውሕዙ ዘለዉ ብቀዳምነት ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ምዝርራብ’ዩ።

ነዚ ንምትግባር’ውን ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ላፖ ፒስተሊ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምእተዘራረበ ዝዝከር ኮይኑ፣ ካልእ እግሪ ዝርርብ ንምክያድ’ውን መደብ ከምዘለዎ’ዩ ዝግለጽ።

ኤርትራ ካብተን ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ሃገራት ምስተን ቀዳሞት’ያ ትስራዕ።

እንተኾነ ኣውራ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን ከምቲ ናይ ካልኦት ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ቁጠባዊ ብዘይምዃኑ፣ ቀሊል መፍትሒ ንምክርካብ ኣጸጊሙ ይርከብ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ 13 ኤርትራውያንን 3 ኣፍጋኒስታናውያንን ዝጸዓነት ንእሽቶ ጃልባ ብዓርቢ 18 ሓምለ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ ብዘጋጠማ ናይ ምጥሓል ሓደጋ፣ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ብገማግም ባሕሪ ኣይቫሊክ ናይ ቱርኪ ኣቢሎም ናብታ ናብታ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነት ደሴት ለስቦስ ናይ ግሪኽ ንምእታው ኣብ ዝፍትንሉ ዝነበሩ’ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

እቶም እርባዕተ ካብኣቶም ብኡ ንብኡ ጥሒሎም ክሞቱ እንከለዉ፣ እቶም ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ ዝደሓኑ 12 ሰባት ግና ናብ ሆስፒታል’ዮም ተወሲዶም።

ኣብ ደሓን ናይ ጥዕና ኩነታት ስለዝጸንሑ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኽጥረዙ ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ከምዝርከቡ’ውን ይግለጽ ኣሎ።
=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0