ኣመሪካ ናይ መጓዓዝያ ነፈርታ፣  ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ክሊ ኣየር ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ከይሓልፋ ከልኪላ

ኣመሪካ ናይ መጓዓዝያ ነፈርታ፣ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ክሊ ኣየር ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ከይሓልፋ ከልኪላ

Radio Erena: 21 July, 2014

Am FF

ፈደራላዊ በዓል ስልጣን ኣቭየሽን፣ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ክሊ ኣየር ናይቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ሰሚናዊ ኢትዮጵያ ከይሓልፋ ከልኪሉ።

ፈደራላዊ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ኣቬሽን ናይ ኣመሪካ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ልዕሊ መንገዲ ኣየር ማሊዥያ ኣብ ክሊ ኣየር ዩኪሬን ዘጋጠመ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ኣብ ዝዘርግሖ መጠንቐቕታ’ዩ፣ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ክሊ ኣየር ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ከይሓልፋ ዝኽልክል ዘሎ።

 

እቲ በዓል ስልጣን ኣቬሽን፣ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ኣመሪካ ብዘይካ ኣብ ክሊ ኣየር ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፣ ኣብተን ናይ ኵናት ሃዋሁ ዘንጸላልወን ዘሎ ከም ሶማል፣ ሊብያ፣ ማሊ፣ ኮንጎ፣ ሶርያ፣ ኬንያ፣ ግብጺ ሲናይ፣ የመን፣ ዒራቕ፣ ኢራን፣ ሰሜን ኮርያን ዩክሬን ዝኣመሰላ ሃገራት’ውን ከይሓልፋ ኣጠንቒቑ ኣሎ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0