ኣብ ጁባላንድ መንግስቲ ንምዕላው ዝተኻየደ ፈተነ ኢድ ፕረዚደንት ሶማል ኣለዎ ክብል ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ’ታ ርእሰ ምምሕዳር ገሊጹ

Radio Erena: 15 March 2020

ኣብ ጁባላንድ መንግስቲ ንምዕላው ዝተኻየደ ፈተነ ኢድ ፕረዚደንት ሶማል ኣለዎ ክብል ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ’ታ ርእሰ ምምሕዳር ገሊጹ።
መጀር ማሓድ መሓመድ እስላም፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወጺኡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብ ኣፍማዶወ ንዘሎ ሰራዊት ከተሃዳድእን እቲ ዕልዋ ክሳብ ዝካየድ ቦታ ከጽንዕን እንተኽኢሉ፣ ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላር ጉኖዖ ክህቦ ፕረዚደንት ፋርማጆ ከምዝተማባጽዓሉ ከሲሱ።
እቲ ኣዛዚ ሰራዊት ኣብ መግለጺኡ፣ ብዕለት 6 መጋቢት ወኪል ኣልጀዚራ ካብ ዝነበረ ያሲን ዝተባህለ ጋዜጠኛ ረኺቡ ነቲ ናይ ፕረዚደንት ፋርማጆ መደብ ከምዝሓበሮ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ሓደ ሚልዮን ዶላር፣ ናይ ስልጣን ወሰኽ እውን ክግበረሉ ምዃኑ ከምዝነገሮ ኣቃሊዑ።
እቲ ናይ ዕልዋ መደብ ን11 መጋቢት ክካየድ መደብ ወጺኡሉ ስለዝነበረ፣ መስመር ቴሌፎናት ድሕሪ ምዕጻዉ ንመራኸቢ እትኾኖ ዋጋ 3 ዶላር ሳተላይት ቴሌፎን ድሕሪ ምሃቡ ነመደብ ከፍሽሎ ከምዝወሰነ፣ መጀር ማሓድ ይገልጽ።
ፕረዚደንት ፋርማጆ ምስ’ተን በይናዊ ናጽነት ኣዊጀን ዘለዋ ርእሰ ምምሕዳራት ዘለዎ ዝምድና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከንቆልቁል ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።
ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ብገዛእ ፍቓድካ ስልጣን እንተገዲፍካ፣ ናይ 20 ሚልዮን ዶላር ህያብ ክህበካ’የ ኢሉኒ ክብል መራሒ’ታ ርእሰ ምምሕዳር ምኽሳሱ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0