ኣብ ኢትዮጵያ ተቐዪዶም ዝነበሩ ካናዳውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

Radio Erena: 15 March 2020

ኣብ ኢትዮጵያ ተቐዪዶም ዝነበሩ ካናዳውያን ኣባላት ማሕበር ግብረ ሰናይ ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ ካብ ካናዳ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
እቶም 13 ካናዳውያንን ኢትዮጵያውያንን ወለንተኛታት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ‘’መደሃኒት ብዘይፍቓድ ዓዲልኩም’’ ከምኡ’ውን ‘’ዕለቱ ዝሓለፈ መድሃኒት ዓዲልኩም’’ ብዝብል ክሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዎም ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።
ኣካየድቲ ስራሕ’ቲ በርጌሳዊ ማሕበር ነቶም ወለንተኛታት ኣብ ዝተቐበሉሉ እዋን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ትካሎም ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ከምዝኽተል እኳ እንተሓበሩ፣ ዕለቱ ንዝሓለፎ መድሃኒት ዓዲልኩም ንዝተባህሉዎ ግና ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለዉ።
እቲ ኣብ ኣልበርታ ዝመደበሩ ናይ ተራድኦ ትካል፣ ካብ 2012 ዓመተ ምህረት ኣትሒዙ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብወግዒ ክነጥፍ ምጽንሑ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0