ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ሓድሽ ወጥሪ ሰፊኑ

janjኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ሓድሽ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ሱዳን ገሊጸን።

እዚ ሓድሽ ወጥሪ፣ እቲ ብጃንጃዊድ ዝፍለጥ ዝነበረ ብምልሻ ዝቖመ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብቲ ዶባት ክተኣኻኸብ ብምጅማሩ ከምዝተፈጥረ ተገሊጹ።

ኣባላት ሰራዊት ሱዳን ኮለላ ኣብ ዘካዪዱሉ ዝነበሩ እዋን ኢትዮጵያውያን ምልሻ ሓደጋ ምስ ኣውረዱሎም ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝወረደ መንግስቲ ሱዳን ብረቡዕ 16 ታሕሳስ ገሊጹ’ዩ።

ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ኢትዮጵያ ብምጉዓዝ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ርክብ ድሕሪ ምክያድ፣ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ እዩ ተገሊጹ ኔሩ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይምስምሞዕም፣ ዓብደላ ሓምዶክ ዑደቱ ኣቋሪጹ ናብ ሃገሩ ምምላሱ እዮም ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ዝጠቕሱ።

ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ወጥሪ፣ ኢትዮጵያ ብቀረባ ትከታተሎ ኣላ፣ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ብትዊተር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ እዩ።

ግብጺ ኣብዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ኣብ ጎድኒ ሱዳን ደው ከምእትብል ኣፍሊጣ’ላ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሱዳን ዶባታ ከተኽብር ምሉእ ዓቕሚ ኣለዋ ድሕሪ ምባል፣ እቲ ወጥሪ ንጸጥታን ርግኣትን መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ኢሉ።

 

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0