ሓላፊ ጸጥታን ምልሻን ምዕራብ ትግራይ ዝነበረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓላፊ ጸጥታን ምልሻን ምዕራብ ትግራይ ዝነበረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዎ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ኣፍሊጠን።

እቲ እንኳኣየነው መሰለ ዝተባህለ ሓላፊ ምልሻ፣ ኣብ ባዕከር፣ ሑመራን ቃፍታን ዝበሃል ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከቢድ ግፍዒ ኣውሪዱ ብምባል እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኸሶ ዘሎ።

ኣዘዝቲ ሰራዊት’ቲ ዞባ ነዚ ሓደ ካብ ቀንዲ ተደለይቲ ኣባላት ህወሓት ኢሉ ዝጠቕሶ ውልቀሰብ፣ ምስ ተመዛበልቲ ብምምስሳል ክንቀሳቐስ እንከሎ ኣብ ከተማ ሽረ ከምዝተተሕዘ እዮም ዝገልጹ።

ምልሻ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ ሰራዊት መጥቃዕቲ ክፍጽም መሪሕ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ሓደ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ እዚ ውልቀሰብ፣ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ዓሌት ዝመሰረቱ ጽልእን ግፍዕን ብምውራድ እውን ክስታት ይቐርበሉ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓለፍቲ ህወሓት ዝርከቡሉ ቦታ ዝሓበረ ናይ ገንዘብ ጉኖዖ ክህብ ምዃኑ ይገልጽ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0