ኣብ ኾሎት እስራኤል ተታሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ መንግስቲ እስራኤል ኣገልግሎት ቴሌፎን ዓጽዩና ይብሉ

Radio Erena: 05 May 2017

Holot

ኣብቲ ኽፉት ቤት ማእሰርቲ እናተባህለ ዝጽዋዕ ኾሎት ተታሒዞም ዘለው መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ መንግስቲ እታ ሃገር ኣገልግሎት ቴሌፎን ከምዝዓጸዎም ይገልጹ ኣለዉ።

እቶም ኤርትራውያን፣ ካብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ መዓልታት ኣትሒዙ፣ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ኾሎት ኣገልግሎት ቴሌፎን ይሰርሕ ከምዘየሎ ብምጥቃስ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ፍታሕ ክገብረሎም ዝጠልብ ሰለማዊ ሰልፊ’ውን ኣካይዶም።

ኣብ ኾሎት ልዕሊ 1500 ኤርትራውያን ተታሒዞም ኣለዉ።

 

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0