ኣብ ኵናት የመን፣ ብሃገራት ዓረብ ዝተዓስቡ ሽዱሽተ ኮሎምብያውያን ወትሃደራትን ሓደ ኣውስትራልያዊ ኣዛዝን   ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

ኣብ ኵናት የመን፣ ብሃገራት ዓረብ ዝተዓስቡ ሽዱሽተ ኮሎምብያውያን ወትሃደራትን ሓደ ኣውስትራልያዊ ኣዛዝን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 10 December 2015

Colom Yeme

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ የመን ዘዋፈሮም ሽዱሽተ ኮሎምብያውያን ወትሃደራትን ኣውስትራልያዊ ኣዛዚን ከምዝተቀትሉ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ የመን ኣንጻር ሑቲ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣስታት 800 ዝኾኑ ዜጋታት ኮሎምብያ ብውትህድርና ተዓሲቦም ኣብታ ሃገር ተዋፊሮም ከምዘለዉ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

መብዛሕቶም እቶም ኣብ የመን ተዋፊሮም ዘለዉ ኮሎምብያውያን ካብ ሰራዊት ኮሎምብያ ዝተፋነወ ምዃኖም’ዩ ዝንገር።

 

እቶም ካብ ኮሎምብያ ዝተዓስቡ ወትሃደራት፣ ኣብ ሰሙን ክሳብ ሓደ ሽሕ ዶላር ክኽፈሎምን ድሕሪ ምዝዛም ናይ የመን ኵናት ከኣ ዜግነት ኢማራት ዓረብ ክወሃቦም ምዃኑን መብጽዓት ከምዝተኣትወሎም፣ ኣል ባዋባ ዝተባህለ ማዕከን ዜና የመልክት።

ፊሊፕ ስቲትማን ዝተባህለ ኣውስትራልያዊ፣ ነቶም ካብ ኮሎምብያ ተኣኻኺቦም ናብ የመን ዝኸተቱ ወትሃደራት ክምረሕ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝተዓስበ ይንገረሉ።

እንተኾነ ብዛዕባ ምውፋር ኮሎብያውያን ዕሱባት ይኹን ካልኦት ዜጋታት ብዝምልከት ካብ ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ኣብዚ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ብዘይካ ሱዑዲ ዓረብን ሃገራት ወሽመጥን፣ ሱዳንን ግብጺን’ውን ሰራዊተን ልኢኸን ኣለዋ።

ሰኔጋል ናይ እትርከበን ሓደ ሓደ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ምስቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ኪዳን ዝጽንበር ሰራዊት ከምዝልኣኸ ይግለጽ’ኳ እንተኾነ፣ ካብተን ሃገራት ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ ዛጊት የለን።

ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሰራዊታ ናብ የመን ከምዘይልኣኸት እትግለጽ ኤርትራ ከኣ ኣብ ምስልጣን ‘ቲ ብሃገራት ዓረብ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ የመን ትነጥፍ ምህላዋ ምንጭታት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ይጠቕሱ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0