ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሓድሽ ፕረዚደንት መዚዙ

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሓድሽ ፕረዚደንት መዚዙ

Radio Erena: 10 December 2015

Chio

ኣምባሳደር ኮርያ ኣብ ስዊዘርላንድ ቾይ ኪዮንግ – ሊም፣ ፕረዚደንት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ተመዚዙ።

ኣምባሳደር ኪዮንግ – ሊም ንእዋናዊ ኣቦ መንበር እቲ ባይቶ ጀርመናዊ ዮሺም ሩከር ብምትካእ፣ ካብ 1 ጥሪ 2016 ስርሑ ብወግዒ ክጅምር’ዩ።

ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ፣ ፓናማ፣ ላቲቭያን ቤልጁምን ከም ምክትል ፕረዚደንት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ክኾኑ ከምዝተመርጹ’ውን ኣብ ጄኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የረጋግጽ።

 

ኢትዮጵያ፣ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝኽሰሳ ሃገራት ክነሳ፣ ኣብ ጄኔቫ ዝርከብ ኣምባሳደራ ኣቶ ነጋሽ ክብረት ቦቶራ ከም ምክትል ናይቲ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዓለምና ዝከታተል ኣካል ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ምምዛዙ ብብዙሓት ወገናት ይንቀፍ ኣሎ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት በዞም ሓሙሽተ ኣምባሳደራት እናተመርሐ፣ ነዚ ዝቕጽል ሓደ ዓመት፣ ኤርትራ ናይ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከጽንዕን ክግምግም’ዩ።

ኣብ ጄኔቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣቐዲሙ’ውን ኣምባሳደር ናይታ ኣብ ዓመት ዝበዝሑ እሱራት ብምቕታል ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ እትርከብን ብምግሃስ መሰል ደቂ ሰብ፣ ብፍላይ ከኣ ምግሃስ መሰል
ደቂንስትዮ ብተሪር እትንቀፍን ስዑዲ ዓረብ፣ ኣቦ መንበር ባይቶ ክኸውን ድሕሪ ምምዛዙ፣ እቲ ውድብ ብትሪ ከምዝተነቕፈ ኣይርሳዕን።

============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0