ኣብ ኮንጎ -ብራዛቪል፣ ን36 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምቕጻል፣ ኣብ ምርጫ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ

Radio Erena: 25 March 2021

ኣብ ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ን36 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ፕረዚደንት ደኒ ሳሱ ንጌሶ፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ንራብዓይ እዋኑ ከምዝተዓወተ ተሓቢሩ።

ካብ 1979 ክሳብ 1992 ነታ ሃገር ዝመርሐ ደኒ ሳሱ ንጌሶ፣ ንሓሙሽተ ዓመታት ተኣልዩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ እንደገና ብወትሃደራዊ ሓይሊ ኣብ 1997 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፣ ይመርሕ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ 88.5% ድምጺ ደገፍ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ምርጫ፣ ነቲ ፕረዚደንት ክብድህ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ተገሚቱ ዝነበረ፣ ጉይ-ብሪስ ፓርፈ ኮለላስ፣ ኣብ እዋን ምርጫ፣ ብኮቪድ 19 ተለኺፉ ሆስፒታል ድሕሪ ምእታዉ፣ ወግዓዊ ምንጋር ውጽኢት ‘ቲ ምርጫ ከይፈልጠ’ዩ ሞይቱ።

ድሕሪ ሞቱ፣ ውጽኢት ምርጫ ኣብ ዝተነግረሉ ድማ፣ 7.8% ከምዝረኸበ ተገሊጹ።

ኣብ 1960 ካብ ፈረንሳ ናጽነታ ዝረኸበት፣ ብኮንጎ ብራዛቪል እትፍለጥ፣ ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ኮይና፣ ምስ ጋቦን፣ ካሜሮን፣ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ፣ ኣንጎላን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ትዋሰን።

ነዛ ሃገር ብድምር ን36 ዓመታት መሪሑ ዘሎ፣ ወዲ 77 ዓመት፣ ፕረዚደንት ደኒ ሳሱ ንጌሶ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም፣ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሸሞንተ መለኽቲ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ተባሂሎም ኣብ ዝርዝር ካብ ዝሰፈሩ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0