ኣብ ትግራይ ብሰራዊት ፈደራልን፣ ሰራዊት ኤርትራን ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበናት ብናጻ ኣካል መርመራ ክካየድ፣ ህዩማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ

ኣብ ትግራይ ብሰራዊት ፈደራልን፣ ሰራዊት ኤርትራን ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበናት ብናጻ ኣካል መርመራ ክካየድ፣ ህዩማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ።
እቲ ኣህጉራዊ ትካል ነዚ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ነባሪ ከተማ ኣኽሱም ተፈጺሙ ዝበሎ ገበናት ክጻረይ ዝጽውዕ ዘሎ፣ ሒደት መዓልታት ድሕሪ’ቲ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝወጸ ተመሳሳሊ ጻውዒት እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘይወዓል ሕደር ፍሉይ ጉጅለ ብምቛም፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም ዝኾኑ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2020 ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ብኣልማማ ናይ ምቕታል ስጉምቲ ምጽራይ ክገብረሉ፣ ህዩማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ።
እቲ ትካል ን28 ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምዝርራብ ኣኪበዮ ዝብሎ ዘሎ መርትዖታት፣ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ናይ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ቁጽሪ ብልክዕ ክፍለጥ እኳ እንተዘይተኻእለ፣ ብመሰረት’ቲ ካብ ቃለመጠይቓት ዝኣከቦ ሓበሬታ ግና ክሳብ 200 ዝበጽሕ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ህዩማን ራይትስ ዎች፣ ነቲ ዝኣከቦ ሓበሬታ ብዕለት 18 ለካቲት ናብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝለኣኾ እንተኾነ ግና፣ ካብ ክልቲኦም መንግስታት ምላሽ ከምዘይረኸበ ይገልጽ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበናት፣ መግለጺታት ብምውጻእን ብምኹናንን ጥራይ ክሕለፍ የብሉን፣ ድሕሪ ምባል እቲ ትካል፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ፣ ኣባል ሃገራት ከኣ ካብ ዘሕንኽ ስቕታ ወጺኤን ግቡእ ኣቓልቦ ክገብራ ጸዊዑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0