ኣብ ኤርትራ ዑደት ዘካየደ ወኪል ነርወይ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክወርድ ምዃኑ ከምዝተነግሮ ሓቢሩ

ኣብ ኤርትራ ዑደት ዘካየደ ወኪል ነርወይ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክወርድ ምዃኑ ከምዝተነግሮ ሓቢሩ

Radio Erena: 09 June 2015

Nor

ኣብ ኣስመራ ዑደት ብምክያድ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝተዘራረበ ወኪል መንግስቲ ነርወይ፣ ዑቕባ ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ቅድሚ ምምላስ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዘድሊ ገሊጹ።

እቲ ንኩነታት ኤርትራን ከጽንዕ ናብ ኤርትራ ዑደት ዘካየደ ብጸሓፊ ሚኒስትሪ ፍትሒ ነርወይ ዮራን ካልሚር ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ነርወይ ድሕሪ ናይ ኣስመራ ዑደቱ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብክኢላታት ንኽጽናዕ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ፍቓድ ከምዝረኽቡ’ውን ኣረጋጊጹ።

እቲ ሚኒስተር ምስ ዝተፈላለየ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ እቲ ኣውራ ጠንቒ ስደት ኮይኑ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክወርድ ምዃኑ ከምዝተሓበሮ’ውን ጠቒሱ ኣሎ።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ ልኡኽ፣ ብዛዕባ’ቲ ሓዲሽ ዝተዳለወ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ብዝምልከት ካብ ሚኒስተር ፎውዝያ ሓሽም መብርሂ ከምዝተዋህቦ ሓቢሩ።

ኤርትራ ናብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ተምርሕ ምህላዋ ብጽቡቕ ከምዝግምገም ዝጠቐሰ ጸሓፊ ሚኒስትሪ ፍትሒ ነርወይ ዮሃን ካልሚር፣፣ ኣብ ናጻ ሲቪላዊ ቤት ፍርዲ ዝህልዎ ኣተገባብራ ግና ደፋእ ኢላ ዝርአ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብዘይዝኾነ ስኽፍታ ከምዝተንቀሳቀሰ ዝሓበረ እቲ ሚኒስተር ካልሚር ንኤርትራ ምስ ሰሜን ኮርያ ምምስሳል ጌጋ’ዩ ክብል’ውን ጠቒሱ።

ንሕሉፍ የማናዊ መንግስቲ ነርወይ ዝወከለ እቲ ሚኒስተር፣ ምስ ኣምባሳደር ነርወይ ኣብ ሱዳንን ካልኦትን ተሰንዩ’ዩ ኣብ ኣስመራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ኣካይዱ።

ሕሉፍ የመናዊ መንግስቲ ነርወይ፣ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ዝተነጽጉ ኤርትራዉያን ናብ ዓዶም ንምምላስ ዝጀመሮ ጻዕሪ ክቕጽሎ ምዃኑ’ውን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ነርወይ ንኣስታት 90 ሚእታዊት ካብቶም ዑቕባ ዝሓቱ ኤርትራውያን፣ ከም ስደተኛታት ክትቕበሎም እንከላ፣ ነቶም ዝነጸገቶም ድማ ናብ ኤርትራ ክትመልሶም’ያ ትሕልን።

ሚኒስተር ካልሚር ነዚ ናይ ኤርትራ ፈላሚ ዑደቱ፣ ዕዉት ምንባሩ’ዩ ገሊጹ።

ንዑደት እቲ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ዝተቓወሙ፣ ካብ ጸጋማውያን ሰልፊ ዝኾኑ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ድማ፣ መንግስቲ ነርወይ ምስቲ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ግኑን ስም ዘለዎ መንግስቲ ኤርትራ ብምዝርራብ፣ ንኤርትራዊ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኮኒኖም።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ እምነቶም ጥራይ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝርቡ መርበባት ሓበሬታ ነርወይ ምስ ዑደት እዚ ሚኒስተር ብምክትሕሓዝ ይገልጻ።

ጋዜጠኛታትን ጽገናዊ ለውጢ ዝሓተቱ ኣባላት መንግስቲ ነበረን’ውን ብዘይዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ንኣስታት 14 ዓመታት ተሓይሮም ምህላዎም ብዝምክኻር፣ መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ’ውን ንለውጢ ቅሩብ ከምዘየለ’ውን የመልክታ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0