መርማሪት ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምህላዉ ኣረጋጊጻ

መርማሪት ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምህላዉ ኣረጋጊጻ

Radio Erena: 08 June 2015

torture

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከተጽንዕ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ መርማሪት ኮሚሽን፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸንም ምህላዉ፣ በሳእል ዝተሰነየ ጸብጻብ ኣቕሪባ።

እታ ሰለስተ ዝኣባላታ መርማሪት ኮሚሽን፣ ሰኑይ 8 ሰነ ኣብ ዘቕረበቶ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ማእሰርትን ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝፍጸም ምግሃስ መሰረታዊ መሰላትን ኣካላዊ ማህሰይትን ግኑን ምዃኑ ኣተሓሳሲባ።

መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብቲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ከተካይዶ ዝጸንሐት መጽናዕቲ፣ ብሰንኪ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስዉርን ግሁድን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት 5 ስሕ ኤርትራውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይስደዱ ምህላዎም’ውን ጠቒሳ።

 

ኣብ ስደት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ንዝሓለፍዎ ዝተፈላለየ ናይ ምእሰርትን ካልእን ተሞክሮታት ቃለ መጠይቕ ብምክያድ መጽናዕታ ዘዳለወት እታ ኮሚሽን፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘንጸባርቕ ብኣሳእል ዝተሰነየ 484 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ ኣቕሪባ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዛ ብህቡራት ሃገራት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ ምሰላት ኣብ ኤርትራ ኣትያ መጽናዕታ ከይተካይድ ስለዝኸልከላ’ያ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ብምውካስ ጥራይ መጽናዕታ ከተካይድ ከምዝተገደደት’ያ ተመልክት።

እታ ኮሚሽን ኣብ መወዳእታ፣ ኤርትራ ካብዚ ዘላቶ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክትላቐቕ፣ ናይ 1997 ቅዋም ብዝቀልጠፈ ከተተግብር፣ ዝኸተመትሎም ኣህጉራውያን ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ከተኽብር፣ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ መጽናዕታ ከተካይድ ክፍቀደላን ዝብሉን ካልኦትን እማመት’ውን ኣሕሊፋ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0