ኣብ ኤርትራ ኣብ እዋን ክራማት ዝተራእየ ደረቕ ኩነታት ኣየር ኣብ ሕርሻ ጽልዋ ኣለዎ ተባሂሉ

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ናይዚ እዋን እዚ ክራማት፣ ደረቕ ኩነታት ኣየር ከምእተራእየ ኩነታት ዘራእቲ ዝከታተል ጉጅለ ሕብረት ኤውሮጳ ገሊጹ።

 

ኣብ ወርሓ- ሓምለ ዝተራእየ ዘይንቡር ደረቅ ኩነታት ኣየር፣ ነቲ ካብ ሰነ ክሳብ መስከረም ዘሎ ክረምቲ ከምዘደናጎዮ ዝጠቐሰ እቲ ጉጅለ፣ ብሰንኩ ድማ ኩነታት ዘራእቲ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከብ ሓቢሩ።

እቲ ደረቕ ኩነታት ኣየር ንዘራእቲ ጥራይ ዘይኮነ ብሓፈሻ ንሕርሻ’ውን ብኣሉታ ከምዝጸለወ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ ኣብ ነሓሰ ዝተራእየ ጽቡቕ ዝናብ ግና ተስፋ ከምዝሃበ’ዩ ኣረዲኡ።
==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0