ኣብያተ ሕክምና እስራኤል፣ ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ደቂንስትዮ ናይ ምምካን ሳዕቤን ዘለዎ መከላኸሊ ጥንሲ ይዕድላ

ኣብያተ ሕክምና እስራኤል ንኤርትራውያን ደቂንስትዮ ስደተኛታትን ኣይሁድ ዝመበቖለን ኢትዮጵያውያንን ብፍሉይ ክትዕድሎ ዝጸንሐት መከላኸሊ ጥንሲ፣ ናይ ምምካን ሳዕቤን ዘለዎ ከምዝኾነ ይግለጽ ኣሎ።

 

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ብዛዕባ’ዚ ዝቐረብ ዘሎ ጸብጻባት ኣምልኪቶም ኣብ ዝልኣኹልና ተወሳኺ ሓበሬታ፣ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ኢትዮጵያውያን ሓካይም ኣብ ዘካየድዎ ሕክምናዊ ኣብ እስራኤል ዝርከባ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመት ኪጥቀማሉ ዝጸንሓ መከላኸሊ ጥንሲ ኣምካኒ ባእታታት ከም ዝጸንሖ ኣረጋጊጾም።

እዚ ንኢትዮጵውያንን ኤርትራውያንን ጥራይ ኪወሃብ ከም ዝጸንሐ ዝተገልጸ ሓደገኛ ኣምካኒ ባእታ ዘለዎ ናይ መርፍእ ወይ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ’ዩ ክብሉ’ውን እቶም ኢትዮጵያውያን ሓካይምን ነቲ መጽናዕቲ ዝፈለጠ ህዝቢን መረረኦም ኪገልጹ ቀንዮም ኣለዉ።

እቲ ብላዕለዎት ሓካይምን ሰበ ስልጣንን እስራኤልኾነ ኢልካ ከምዝተፈጸመ ዝግለጽ ዘሎ ኢሰብኣዊን ኢሞራላውን ተግባር፣ ኣብ እስርኤል ናይ ዝነብሩ ኣይሁዳዊ መበቆል ዘለዎም ንሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ንኸይውስኽ ከምዝተሃንደሰ’ዩ ዝንገረሉ።

እቲ ኢትዮጵያውያን ንዝመበቆለን ኣይሁዳውያን ማለት ፈላሻ ሙራን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ክወሃብ ዝጸንሐ መከላኸሊ ጥንሲ ብዘይካ’ዚ ዘለዎ ናይ ምምካን ሳዕቤን፣ ስነኣምእሮኣዊ ጸቕጥን ተነጽሎም ዘስዕብ ምዃኑ’ውን ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ክኢላታት ይገልጹ።

እዚ ሓደገኛ ምዃኑ ንዝገረሉ ዘሎ መድሃኒት፣ ናብ እስራኤል በብእዋኒ ክኣትዋ ዝጸንሐ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ነዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ክጥቐማሉ ምጽንሐን ይጠቐስ።

ኣብ ካልእ ተወሳኺ ሕክምናዊ ሓበሬታ፣ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቆልዑ ተርእዮታት ሕማም ፖልዮ ይኽሰት ስለዘሎ፣ ትሕቲ ኣርባዕተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዘለዎም ስድራቤታት ናብ ዝቐረቦም ሕክምና ብምኻድ ከኽትብዎም ኣዳላወቲ ናይታ ኣብ ኣብ እስራኤል ከተማ ቴልኣቪቭ እትዝርጋሕ ናይ ኤርትራውያን ጋዜጣ መኣዝን ኣዘኻኺሮም።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0