ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን፣ ካብ ቤት ንብረቶም ንዝተመዛበሉ ኢትዮጵያውያንን ዝውዕል ናይ 205 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተሓቲቱ

Radio Erena: 07 March 2022

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን፣ ካብ ቤት ንብረቶም ንዝተመዛበሉ ኢትዮጵያውያንን ዝውዕል ናይ 205 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘድልይ፣ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
117 ሚልዮን ዶላር ካብዚ፣ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ተመዛበልቲ ኢትዮጵያውያንን ዝውዕል እዩ። ተወሳኺ ናይ 72 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ፣ ኣብ ሱዳን ንተዓቚቦም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ክኸውን እንከሎ፣ 16 ሚልዮን ዶላር ከኣ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝህሉ ሰብኣዊ ቅልውላው መሓለውታ ከምዝኾነ፣ ተጸዋዒ ስደተኛታት ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ግዳይ ኩሎም ብረት ዝዓጠቑ ወገናት ምዃኖም ብኣህጉራውያን ትካላት ረዲኤት ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ዛጊት ንህይወቶም ውሕስነት ዝህብ ዓይነታዊ ለውጢ ዘምጽእ ስጉምቲ ከምዘይተወስደ እዮም ዝገልጹ።
እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ካብ ዝምታን ምጭዋይን ጀሚርካ፣ ክሳብ ጾታዊ ዓመጽ ዝርከቦ ዝተፈላለየ ግፍዕታት፣ ብኩሎም ብረት ዝዓጠቑ ወገናት ኣብ ልዕሊኦም ከምዝተፈጸመ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣውያቶም ከስምዑ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተወዐ ግጭት፣ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ድሕሪ ምልብዑ እውን፣ ኣብ ዓፈር ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት፣ ግዳይ ናይቲ ኲናት ኮይኑ እዩ።
ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ጥራይ፣ ልዕሊ 2 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ከምዘለዉ መዝገብ ተጸዋዒ ስደተኛታት የመልክት።

ብኻልእ ወገን፣ ብኣኽባር ሕጊ ክሲ ተመስሪቱዎ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው፣ ናጻ ወጺኡ ተባሂሉ ንዝተዘርገሐ ሓበሬታ፣ ሚኒስትሪ ፍትሒ’ታ ሃገር ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መግለጺኡ፣ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው፣ ብልሽውናን ካልእ ተዛማዲ ክስታትን ተመስሪቱዎ ስለዘሎ፣ ቤት ፍርዲ ገና ናይ መከራኸሪ ነጥብታት ይሰምዕ ምህላዉ ኣመልኪቱ። ናይ ክሱስ ናይ መከላኸሊ ቃል ንምስማዕ’ውን ቆጸራ ተታሒዙ ከምዘሎ ገሊጹ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0