ኤርትራውያን ኣትለታት፣ ኣብ ኤውሮጳ ዓበይቲ ዓወታት ተጓናጺፎም

Radio Erena: 07 March 2022

ኤርትራውያን ኣትሌታት ኣሮን ክፍለን የማነ ሃይለስላሴን፡ ብሰንበት 6 መጋቢት ኣብ ሴራዲላ ስጳኛ፡ ኣብ ዝተገብረ ውድድር ጉያ መሮር፡ ዓቢ ዓወት ተጓናጺፎም።

እቲ 10 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝነበሮ ውድድር ምስ ተጀመረ፡ ኦሎምፒካዊ ኣትሌት የማነ ሃይለስላሴ ንዝተወሰነ ርሕቐት ዝመርሖ ክኸውን ከሎ፡ ብድሕሪኡ ግን፡ ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ኣሮን ክፍለ ነቲ መሪሕነት ካብ የማነ ተረኪቡ፡ ንብሩንዳዊ ቴሪ ንዲኩምዌናዮ ጥራይ ኣኸቲሉ፡ ነቲ ቅድድም ክሳብ ኣጋ መፈጸምታ ብቀዳምነት ኣሊዎ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ውድድር ንኽዛዘም ብኣማኢት ሜትራት ርሕቐት ምስ ተረፎ፡ እቲ ወዲ 24 ኣትሌት፡ ኣብ ጭዋዳታት እግሩ መጉዳእቲ ስለ ዝወረዶ ክሕንክስ ጀሚሩ።

ነዚ ዘስተውዓለ ኣብ ኣሰሩ ዝወዓለ ቴሪ ንዲኩምዌናዮ ድማ፡ ናህሩ ብምዝያድ ሓዲግዎ ከይዱ።

ኣብ መወዳእታ ቴሪ ንውድድሩ ብ28 ደቓይቕን 4 ካልኢታትን ብምውዳእ ቀዳማይ ክወጽእ ከሎ፡ 20 ካልኢታት ዝተፈንተተ ኣሮንን 39 ካልኢታት ዝደሓረ የማነን ብቅደም ተኸተል ካልኣይ ሳልሳይን ተርታ ሒዞም።

ኣሮን በቲ ዝወረዶ መጉዳእቲ ጭዋዳታት እግሪ ናብ ሕክምና ከምርሕ ስለ ዝነበሮ፡ እታ ንዕኡ እትግባእ ዋንጫ፡ ስነ ስርዓት ምዕዳል ሽልማት ቅድሚ ምጅማሩ እዩ፡ ኣብ ባረላ ናይ ሕክምና ተጋዲሙ ተቐቢልዋ፡ ናብ ሆስፒታል ኣቕኒዑ።

ኣብ ካልእ ቅድድም ድማ፣ ኣትሌት ሃብቶም ሳሙኤል፡ ብሰንበት 6 መጋቢት፣ ኣብ Cannes ፈረንሳ ኣብ ዝተሳለጠ 10 ኪሎ ሜትር ዝርሕቐቱ ውድድር ጉያ እግሪ ዘኹርዕ ዓወት ሓፊሱ።

ነቲ ውድድር፣ ወናኒ ክብረወሰን ዓለም 5 ሽሕ ሜትርን 10 ሽሕ ሜትርን፡ ኡጋንዳዊ ጆሽዋ ቼፕቴጋይ፡ ብ26 ደቓይቕን 49 ካልኢታትን ብምዕማም ክዕወተሉ ከሎ፡ ወዲ 18 ዓመት ኤርትራዊ ሃብቶም ድማ፡ ብሓደ ደቒቕን 2 ካልኢታትን ተፈልዩ ካልኣይ ተርታ ተሰሪዑ።

ካልእ ኡጋንዳዊ ኣቤል ሲኮዎ ብወገኑ ብተወሳኺ 7 ካልኢታት ድሒሩ ሳልሳይ ብምእታው ንቼፕተጋይን ሃብቶም ኣብ ፖድየም ተጸንቢርዎም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0