“ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ሰላም ተስፋታት ኣሎ፣” ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት

Radio Erena: 07 November 2019

ካብ 21 ክሳብ 26 ጥቅምቲ፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት ዘካየደት ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣሚና መሓመድ፣ ኣብቲ ዞባ ናይ ሰላም ተስፋ ከምዘሎ ገሊጻ።

ንሳ ናብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ሶማልን ብምብጻሕ ምስ መራሕተንን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እዘን ሃገራትን ተዘራሪባ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባን ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ንጥፈታትን ምስ ዝተዋፈራ ደቂንስትዮ እቲ ዞባ ተመያይጣ።

እታ ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት፣ ዘንጸላልዉ ዘለዉ ብድሆታት ንምፍታሕ ሃገራት እቲ ዞባ ብሓባር ክሰርሓ’ውን ኣተሓሳሲባ።

ዕላማ ዑደታ ብኣውርኡ፣ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ፣ ሰላም፣ ድሕነት ከምኡ ድማ ምዕባለ ዘተኮረ ምንባሩ ኣብሪሃ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብምልኪ፣ ዘይብቁዕ ምሕደራ መንግስቲ፣ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ጥሜት፣ ድሕረትን ድሕነትን ዝተፈልጠ ዞባ ዓለምና’ዩ።

ኣብዚ ዞባ ካብ ዝርከባ ሓሙሽተ ሃገራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሶማልን፣ ለውጥታት ክርአ እኳ እንተጀመረ፣ ኣብ ኤርትራን ጅቡቲን ግና ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ’ዮም ዘለው።

ብፍላይ ፕርዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ን28 ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጽንሑ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ’ዩ ዝርከብ።

ኣብ ካልእ ወገን፣ መበል 23 ዓመታዊ ኣኼባ በይነ መንግስታዊ ኮሚተ ላዕለዎት ሰብ-መዚን ክኢላታትን ቊጠባዊ ኮምሽን ኣፍሪቃ፣ ካብ 5 ሕዳር ኣትሒዙ፣ ኣብ ኣስመራ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ሎሚ 7 ሓሙስ ሕዳር ዝዛዘም ኣኼባ፣ ካብ 14 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን መሻርኽቲ ውድባትን ማሕበራትን ዝተወከሉ ልዕሊ 200 ሰባት ይሳተፍዎ ኣለዉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0