ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዓመትን መንፈቕን ልዕሊ 30 ኣብያተ ክርስትያን ተቓጺለን

Radio Erena: 07 November 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጸሉ ክሳብ እውዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 30 ኣብያተ ክርስትያን ከምዝተቓጸላ ማዕከን ዜና CBN ገሊጹ።

መብዛሕተን እተን ዝተቓጸላ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ክልላት ኦሮሞን ሶማልን ዝርከባ’የን።

ግዳይ እቲ ምቅጻል ዝኾና ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያን፣ ኣብ ትሕቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝተጠርነፋ’የን።

ኣብታ ሃገር፣ ብዘይካ’ቲ ጸጸኒሑ ዝጎሃሃር ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ጎኒ ጎኑ ሃይማኖታዊ ረጽምታት’ውን ይልዓል ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ኣብዚ ሓደ ዓመትን መንፈቐን፣ ብሰንኪ ናይ ብሄርን ሃይማኖታዊ ግጭታትን፣ ኣማኢት ዜጋታት እታ ሃገር ክቕተሉ እንከለዉ፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ተፈናቒሎም’ዮም።

ኣብ ናይ ብሄር ምትፍናን ተሸሚማ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ወርሒ ግንቦት እተካይዶ ምርጫ፣ ዝበኣሰ ግጭታት ክጎሃሃር ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ብኣግኡ የጠንቕቑ ኣለዉ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0