ኣብ ምርጫ ድሕሪ ምስዓሩ ካብ ስልጣን ምውራድ ሓንጊዱ ምስ ዝርከብ ፕረዚደንት ጋምብያ ንምዝርራብ ኣርባዕተ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብታ ሃገር ኣምሪሖም

Radio Erena: 14 December 2016

Gambia

ኣብ ምርጫ ድሕሪ ምስዓሩ ካብ ስልጣን ምውራድ ሓንጊዱ ምስ ዝርከብ ፕረዚደንት ጋምብያ፣ ያሕያ ጃመህ ንምዝርራብ ኣርባዕተ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብታ ሃገር ኣምሪሖም።

እቶም ናብ ጋምብያ ኣመሪሖም ዘለዉ ኣርባዕተ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ላይበርያ ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ፣ ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓማዱ ቡሃሪ፣ ፕረዚደንት ሰራልዮን አርነስት ባኢ ኮሮማን፣ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ተሳዒሩ ካብ ስልጣን ኣብ ምውራድ ዝቀራረብ ዘሎ ፕረዚደንት ጋና ጆን ድራማኒ ማሃማን’ዮም።

እቶም መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ኤኮዋስ ኣቀዲሞም ናብታ ሃገር ንምእታው መደብ እኳ እንተነበሮም፣ ፕረዚደንት ያሕያ ጃመህ ከዘራርቦም ፍቓደኛ ከይኮነ’ዩ ጸኒሑ።

ን22 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ጋምብያ፣ ያሕያ ጃመህ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ እታ ሃገር ድሕሪ ምስዓሩ፣ ካብ ስልጣን ንምእላይ ብምሕንጋዱ፣ ኣብ ሃገር ናዕብን ግጭትን ከይጎሃሃረ ተሰጊኡ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ምርጫ ከምዝተሳዕረ ብምርግጋጽ፣ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ካብ ዘይደለዮ፣ ክእለ ምዃኑ ብምሕባር፣ ነቲ ኣብቲ ምርጫ ዝተዓወተ መራሒ ተቃዋሚ ሰልፊ እንቋዕ ሓጎሰካ ክብል ወግዓዊ መግለጺ ሂቡ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ከም ኤችኣይቪ ኤይድስ ዝኣመሰሉ ሕማማት ብጸሎትን ካልእን ይፍውስ’የ ብምባል ዝፍለጥ ፕረዚደንት ጋምብያ ሓሳቡ ብምቕያር፣ ኣብቲ ምርጫ ምድንጋር ከምዝነበረ ብምጥቃስ፣ ካብ ስልጣኑ ከምዘይወርድን፣ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ደጊሙ ክካየድን’ዩ ዝውጽዕ ዘሎ።

እቲ ቅድሚ 22 ዓመታት ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸ ያሕያ ጃመህ፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ተኾይጦም፣ ስልጣኖም ንህዝቢ ምርካብ ካብ ዝሓንገዱ 10 ዕሉላት መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃኑ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ካብቶም ብዘይዝኾነ ምርጫ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ቀዳሞት ሓሙሽተ መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምዃኑ፣ በዚ ክብሪ’ዚ ንፕረዚደንት ጋምብያ ያሕያ ጃመህ በሊጹ ይርከብ።

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0