ሓድሽ ንጉስ ታይላንድ ንኣስታት 150 ሽሕ እሱራት ምሕረት ክገብር’ዩ

Radio Erena: 14 December 2016

Thai King

ድሕሪ ሞት ኣቡኡ፣ ሓድሽ ንጉስ ታይላንድ ኮይኑ ብ1 ታሕሳስ ዝተሸመ ማሃ ቫጂራሎንኮርን፣ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 300 ሽሕ እሱራት ነቶም ፍርቆም ምሕረት ክግበረሎም ከምዝወሰነ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እቶም ምሕረት ክግበረሎም ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ኣስታት 150 ሽሕ እሱራት ገሊኦም ብከቢድ ገበን ዝተኣስሩ ክኾኑ እንከለው፣ ገሊኦም ከኣ ንኽብሪ ንጉስ ብምዝንጣልን ካልእን ዝተቐየዱ’ዮም።

ብመሰረት ካብ ንግስነት እታ ሃገር ዝወጸ መግለጺ፣ እቲ ናይ ምሕረት ውሳኔ ንዝበዝሑ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ክወጹ ዘኽእል ክኸውን እንከሎ ንገሊኦም ከኣ ናይ ዝእሰርሉ ዓመታት ዘቃልል’ዩ።

 እቲ ናይ ምሕረት ውሳኔ ድሕሪ ምሕላፉ፣ ዕድመ፣ ናይ ባህሪ ምምሕያሻትን ብዝሒ ዝተቐየድሉ ዓመታት ኣብ ግምት ብምእታው ክሰላሰል ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ ዘሎ።

ኣብ ታይላንድ ብዝተፈላለየ ገበናት ዝተታሕዙ 321,347 እሱራት ክህልዉ እንከለዉ፣ እቶም 70 ሚእታዊት ምስ ሓሽሽ ብዝተተሓሓዘ ዝተቐየዱ’ዮም።

ሓድሽ ንጉስ ታይላንድ ንኣስታት ፍርቂ ካብዞኣቶም ምሕረት ክገብረሎም ምውሳኑ ድማ ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ እዋን ምሕረት ካብ ዝተገብረሎም እሱራት እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ክከውን ከምዝኽእል ይግለጽ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፣ ወይ ከኣ ህዝባውን ሃገራውያን በዓላት፣ መንግስታት ንእሱራት ምሕረት ከምዝገብሩ ዝፍለጥ’ዩ።

ብህግደፍ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ ግን ኣብዚ ናይ 26 ዓመታት ዘመነ ስልጣኑ እዚ ልምዲ’ዚ የብሉን።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0