ኣብዘን ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተቱ 10 ኤርትራውያን ቆልዑ ርእሰ ቅትለት ፈጺሞም

ኣብዘን ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተቱ 10 ኤርትራውያን ቆልዑ ርእሰ ቅትለት ፈጺሞም

Radio Erena: 13 May 2015

Eritrean Teen

ኣብ ሽወደን ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ሓይሎ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ፣ 10 ካብኣቶም ኣብዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ ኣዋርሕ ርእሰ ቅትለት ፈጺሞም።

ጠንቒ’ቲ ኣብ ሽወደን ብተደጋጋሚ ዝርአ ዘሎ ርእሰ ቅትለት ትሕቲ ዕድመ፣ ነቶም ብዘይኣላዩ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝኣትዉ ዘለዉ ኤርትራውያን ንዝገጥሞም ዘሎ ማሕበራዊ ብድሆታት ዘንጸባርቕ እኳ እንተኾነ፣ ተጠባቐቲ መሰላት ሽወደን ተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዘድልዮ ይጠቕሱ።

 

ናብ ሽወደን ድሕሪ ምእታዉ ብሽወደናዊት ስድራ ክእለ ዝጸንሐ 16 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ርእሰ ቕትለት ከምዝፈጸመ ድሕሪ ምሕባሩ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ብተደጋጋሚ ዝርአ ዘሎ ፍጻሜ መጽናዕቲ ከምዘድልዮ’ውን ኣስሚሮም።

ሬድዮ ኤረና ምሉእ መንነትን ስእልን ናይዚ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ ዘሎ ኤርትራዊ ትሕቲ ዕድመን ናይ ካልኦትን ክትረክብ ክኢላ ኣላ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 10ታት ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ብዘይ ስድራን ኣለይትን ዶባት እናቆራረጹ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብምስጋር፣ ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ድማ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታዉ ከምዝሕልኑ ይፍለጥ።

ሓያሎ ካብዞም ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ፣ ግዳያት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲን ደላሎን ኮይኖም ኣብ ሲናይን ሰሃራን ክሽየጡን ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ሓደጋታት ከጋጥሞምን ይርአየ’ዩ።

=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0