“ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ካብ ምሩኽ ዝኸፈአ ህይወት’ዮም ዝነብሩ ዘለዉ።” ጸሓፊ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፣ ቀሺ ገብረሚካኤል ዮውሃንስ

Radio Erena: 22 September 2020

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ካብ ምሩኽ ዝኸፈአ ህይወት ይነብሩ ምህላዎም ጸሓፊ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፣ ቀሺ ገብረሚካኤል ዮውሃንስ ገሊጾም።

ቀሺ ገብረሚካኤል፣ ብዛዕባ ምእሳርን ስደትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣመልኪቶም ምስ ራድዮ ኤረና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቅ፣ መንግስቲ ካብ እዋን ናጽነት ኣትሒዙ፣ ነታ ቤት ክርስትያን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ንምእታው ከምዝሰርሐ ብምዝኽካር፣ ስዒቡ ዝመጸ ማእሰርትን ምግፋዕን’ውን መቐጸልታ ናቱ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ብዛዕባ ሃለዋት ኣቡነ እንጠንዮስ ኣመልኪቶም ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ፣ ድሕሪ’ቲ ብቪድዮ ንህዝቢ ዘመሓለለፍዎ መልእኽቲ፣ እቶም ፓትርያርክ ናብ ኣውራ መሳርሒ መንግስቲ ዝኾኑ ኣቡነ ሉቓስ ተረኪቦም፣ ዳግም ምስ ዝኾነ ኣካል ከይራኸቡ ሃለዋቶም ከምዝጠፍእ ከምዝተገብረ ኣመልክቶም።

ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ኣብ ትሕቲ ጸላኢ’ዮም ወዲቖም ዝበሉ ጸሓፊ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፣ ካብ ምሩኽ ዝኸፈአ ህይወት ይነብሩ ምህላዎም ኣስሚሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ ምስ ጸሓፊ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፣ ቀሺ ገብረሚካኤል ዮውሃንስ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ጠውቑ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0