ሱዳንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ኣብ ስምምዕ ምስ እስራኤልን ምልዓል እገዳ ኣመሪካን ዘተኮረ ዘተ ምክያደን ተገሊጹ

Radio Erena: 23 September 2020

ፕረዚደንት ሉኣላዊት ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝመርሖ ላዕለዋይ ወኪል መሰጋገሪ መንግስቲ ፣ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ንምምኽኻርን ንምምይያጥን፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብ21 መስከረም ናብ ኣቡዳቢ ድሕሪ ምእታው፣ ምስ መራሕቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ወከልቲ መንግስቲ ኣመሪካን ብተናጸልን ብእኩብን ከምዝዘተየ ተሓቢሩ።

እቲ ዘተ፣ ኣብ ጉዳይ ምልዓል እቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ዘተኮረ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

እንተኾነ፣ ሱዳን ምስ እስራኤል ዝምድና ክትምስርት ዝብል ነጥቢ’ውን ኣካል ናይቲ ምይይጥ ምንባሩ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕረይንን ምስ እስራኤል ዝምድና ድሕሪ ምጅማረን፣ ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን’ውን ኣብ ዝሓጸረ ኣሰረን ክስዕባ ምዃነን’ዩ ዝጥቀስ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0