ኣስታት 50 ስደተኛታት ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ዘስግሮም ብዝነበረ ሰብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ይግለጽ ኣሎ

ኣስታት 50 ስደተኛታት ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ዘስግሮም ብዝነበረ ሰብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 11 August 2017

ztehalu

ካብ ኢትዮጵያን ሶማልን ናብ የመን ዝተበገሱ ኣስታት 50 ስደተኛታት፣ በቲ ዘስግሮም ዝነበረ ሰብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ይግለጽ ኣሎ።

ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ብዝዘርግሖ መግለጺ፣ ዛጊት ብዘካየዶ ዳህሳስ ናይ 25 ሰባት ሬሳ ከውጽእ እንከሎ ናይቶም ዝተረፉ ግና ዛጊት ክረኽቦ ኣይከኣለን።

መራሒ ናይታ፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተነጸረ ስደተኛታት ኢትዮጵያን ሶማልን ጽዒና ናብ ገማግም ባሕሪ የመን እትጽጋዕ ዝነበረት ጃልባ፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ድሕሪ ምዕዛቡ፣ ነቶም ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ባሕሪ ክዘሉ ከምዘገደዶምን ንገሊኦም ከኣ ባዕሉ ከምዝደፍኦምን’ዩ ዘመልክት ጸብጻብ ናይቲ ኣህጉራዊ ትካል።

 

የመን፣ ኣብ ኵናት ሰብኣዊ ቅልውላው ተሸሚማ እኳ እንተላ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥን ንምስጋር ዝሓለኑ ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ማእከላይ ባሕሪ እናሰገሩ ናብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክኣትዉ’ዮም ዝርኣዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0