ኣመሪካ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተወሰኽቲ 3 ሽሕ ወተሃደራት ከተዋፍር’ያ

Radio Erena: 13 October 2019

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ተወሰኽቲ 3 ሽሕ ወተሃደራት ከተዋፍር ሙዃና ተገሊጹ።

ብዓርቢ 11 ጥቅምቲ ካብ ፐንታጎን ዝወጸ መግለጺ ከምዘመልክቶ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብኣል ሑቲ ናይ የመን ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ድሕሪ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፣ ተወሰኽቲ ኣጽዋርን 3 ሽሕ ወተሃደራትን ንሓለዋ ክዋፈሩ ሙዃኖም ኣፍሊጡ።

እቲ ኣጽዋር ዝተራቐቐ መጎጻጸሪ ባለስቲካዊ ሚሳይላትን ነፈርቲ ኲናትን ዘጠቓለለ ክኸውን እንከሎ፣ ተወንጨፍቲ ሮኬታትን ሚሳይላትን እውን ይርከቦ።

እዚ ኣመሪካ እተዋፍሮ ዘላ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ሓይሊ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ኢራን ክመጽእ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ንምክልኻል፣ ብዘቕረቦ ጠለብ ሙዃኑ ፐንታጎን የመልክት።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ትካላት ነዳዲኣ ድሕሪ ዝወረደ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ብኢራን እትውነን መመላለሲት ነዳዲ ዝኾነት መርከብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብተወንጫፊ ሮኬት ሃሪማ ድሕሪ ምዕናዋ፣ ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0