ኣመሪካ፣ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ሶማል ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ኣካዪዳ

Radio Erena: 02 March 2022

ኣመሪካ ኣብ ሶማል ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ኣፍሪኮም ኣፍሊጡ።

ኣመሪካ ካብ ሶማል ጠቕሊላ ከምዝወጸት ክትገልጽ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ ዓይኒ መላእ ዓለም ናብ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ኣድሂቡሉ ዘሎ እዋን፣ ምስ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ሰራዊት ሶማልን ብምትሕብባር ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመቶ፣ ካብ ሶማል ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ጨንፈር ኣፍሪቃ፣ ሓላፊ ፍሉይ ስርሒታት መጀር ኣንድሩ ካልክ (MaJ. Andrew Caulk) ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ፣ ንኣመሪካ ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ስግኣት ስለዝኾነ፣ ንምድምሳሱ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፣ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብቲ ስርሒት፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ኣመልኪቱ። እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ንዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ዝኾነ መብርሂ ኣይሃበን።

ምውጻእ ሰራዊት ፈረንሳ ካብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሻቐላ ኣመሪካ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ህላወኣ ከተረጋግጽ፣ ወተሃደራዊ ስርሒታት ክትገብር ከምእትኽእል ኣመታት ክወሃቦ ጸኒሑ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0