ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተወሳኺ እገዳታት ከተንብር ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 31 May 2021

ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተወሳኺ እገዳታት ከንብር ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ገሊጾም።

ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ክልትኤን ሃገራት፣ ናይ መገሻ እገዳ ዘንበረ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ብ26 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘተሓሳሰቦ ደጊሙ ጠቒሱ።

መንግስት ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ብዝቐልጠፈ ኵናት ደው ብምባል ክዛተዩ ‘ውን ተላብዩ።

ፕረዚደንት ባይደን፣ ካብ ቤተመንግስቲ ዋይት ሃውስ፣ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፣ ሰራዊት ኤርትራን ምልሻታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹ ደጊሙ ጸዊዑ።

ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 1980ታት ዘጋጠማ ዓጸቦ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ክኽሰት ከምዝኽእል ዘተሓሳሰበ ፕረዚደንት ባይደን፣ ኩሎም ወገናት፣ ብፍላይ ድማ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ህጹጽ ረዲኤት ናብ ዘድልዮም ኣካላት ንምብጻሕ ዕንቕፋታት ካብ ምፍጣር ክቑጠቡ ኣጠንቒቑ።

ምምሕዳር ባይደን ኣቕሪብዎ ዘሎ ጻውዒትን መጠንቐቕታን፣ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ናይ ዝሓለፈ እዋናት ዕሽሽ ብምባል እንተሓሊፎሞ፣ እንታይ ዓይነት ስጉምታት ከምዝወስድ፣ ኣብ መግለጺኡ ኣይነጸረን።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ልዕሊ’ዘን ክልተ ሃገራት፣ ኣብ ወትሃደራዊን ቁጠባን ዘተኮረ ተወሳኺ እገዳታት ከንብር ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ይእምቱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0